VOAnews Tigrigna

ተቓዋምቲ ፓርቲታት ኢትዮጵያ ኢህወዴግ እሱራት ንምፍታሕን ንማእኸላዊ ንምዕጻውን ተለዋዋጢ መርገጺ ኣርእዩ’ዩ ክብሉ ነቒፎም

ኢህወዴግ እሱራት ንምፍታሕን ንማእኸላዊ ንምዕጻውን ኣብ ዝወሰዶ መርገጺ ምውልዋል ኣርእዩ’ዩ ክብሉ ተቓወምቲ ፓርቲታት ናይ መላእ ኢትዮጵያ ሓድነት ውድብን ሰማያዊ ፓርትን ነቒፎም። ንእሱራት ፖለቲካ ብዘይ ቅድመ ኹነት ምፍታሕ ነታ ሃገር ካብቲ ዝአተወቶ መንቐራቕሮ ንምውጻእ ዝሕግዝ’ዩ ክብሉ’ውን ገሊጾም። መንግስቲ ብወገኑ ኣብ ኢትዮጵያ ወላ ሓደ እሱር ፖለቲካ ኾነ ሕልና የለን ክብል ደጊሙ ገሊጹ። ክልቲኦም ፓርቲታት ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣብታ ሃገር ንዝረአ ቅልውላው ንምህዳእ ካብ ቃላት ዝሓለፈ ጭቡጥ ስጉምቲ ምውሳድ ጥራይ’ዩ ዝብል ኮይኑ ኢህወዴግ እሱራት ፖለቲካ ከምዘለው ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣሚኑ’ዩ ድሕሪ ምባል እታ ሃገር ናብ ቅልውላው ዝአተወት ብውልቀ መላኺ ምምሕዳር ኢህወዴግ’ዩ ኢሉ’ሎ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።  

 ካናዳዊ ኣትሌት ንኤርትራ ወኪሉ ኣብ ኦሎምፒክ 2018 ከምዝሳተፍ ሓቢሩ

ካናዳዊ ኣትሌት ሻነን አበድ ኣብቲ ዝመጽእ ወርሒ የካቲት ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝኻየድ ናይ ሓጋይ ኦሎምፒክስ 2018 ብናይ በረድ ምንሽርታት ውድድር ንኤርትራ ወኪሉ ከምዝሳተፍ ኣፍሊጡ። ሻነን ካብ ወዲ ክልተ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ናይ በረድ ምንሽርታት ስፖርት ክነጥፍ ከምዝጀመረን ካብ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ጀሚሩ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ውድድራት ክሳተፍ ከምዝጸንሓ ይሕብር። ሻነን ኣብዚ ናይ 2018 ኦሎምፒክ ንኤርትራ ወኪሉ ንምስታፍ እንታይ ከምዘበገሶ ከምዚ ክብል ይገልጽ።  “ኣብ 2011 ዓ.ም ኣብ ኢንስበርክ ኦስትርያ ናይ ትሕተ ዕድመ ውድድር ከምዘሎ ምስ ፈልጥኹ ናብቲ ውድድር ንምስታፍ ወሲነ እንተኾነ ኣብቲ ሽዑ እዋን ዝነበረኒ ነጥቢ ንካናዳ ወኪለ ክወዳደር ኣየኽኣለንን። ስለዚ ንምንታይ ንኤርትራ ወኪለ ኣይወዳደርን ኢለ ሓሳበይ ንአቦይ ምስ አካፈልኽዎ ንሱ ድማ ብመንገዲ ኣብ ካናዳ ዘሎ ናይ ኤርትራዊያን ኮሚኒቲ ምስ ናይ ኤርትራ ኦሎምፒክ ኮሚቴ ተራኺቡ ዘድልይ መስርሕ ብምፍጻም ኣብቲ ውድድር ክሳተፍ ክኢለ።” ሻነን ድሕሪ ናይ 2011 ዓ.ም ተመክርኡ ኣብዚ ናይ 2018 ኦሎምፒክ ብዝያዳ ቅሩብነት ተዳልዩ ከምዘሎ ብምሕባር ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝኻየድ ናይ ሓጋይ ኦሎምፒክስን ዝወዳደረሉ መድረኻትን ብዝምልከት ድማ ከምዚ ኢሉ።  “ ኣብዚ ናይ 2018 ውድድር ንኤርትራ ወኪለ ኣብ ክልተ መድረኻት ስኪንግ ወይ ናይ በረድ ምንሽርታት ውድድር ክሳተፍ እየ።እቲ ሓደ ብቅልጡፍ ነቲ ዝተዋህበኻ ርሕቀት ምሽፋን ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ብቅልጡፍ ብዓንድታት ብምሕላፍ ኣብ መዛዘሚ ምብጻሕ እዩ ።” ኤርትራ ኣብ ዓለምለኸ ውድድራት ብብሽክለታን ጉያን እያ ትፍለጥ፡ ንስኻ በዚ ስኪኢንግ ወይ ናይ በረድ ምንሽርታት ዓይነት ስፖርት ክትወዳደር ናይ መጀመርያ ኢኻ ኣብቲ ዓለምለኸ መድረኽ እንታይ ግብረ መልሲ ረኪብኻ ንዝብለ ሕቶ ሻነን ኣነ ናብዚ ናይ 2018 ኦሎምፒክ ንኤርትራ ወኪላ ክሳተፍ ዝወሰንኹ ብፍላይ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን ኣውሮጳን ዝነብሩ መንእሰያት ኣብዚ ዓይነት ስፖርት ዝነጥፉ ንምትብባዕ እዩ ኢሉ። ሻነን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣልበርታ ተማሃራይ ካልኣይ ዓመት ኣብ ዓውዲ ኮምፒተር ሳይንስ’ውን እዩ።ብዩኒቨርሲቲ ደረጃ እንዳተመሃርኻ ኣብ ከም ኦሎምፒክ ዝዓመሰሉ ዓበይቲ ውድድራት ንምስታፍ ሓደ ነቲ ሓደ ኣይዕብልሎም’ዶ ወይ ጸገም ኣይፈጥረልኻን’ዶ ንዝብል ሕቶ ድማ ሻነን እቲ ቀንዲን አገዳሲን ንግዜኻ ብግቡእ ምጥቃም’ዩ ድሕሪ ምባል ከምዚ ይብል።  “ብርግጽ ኣጸጋሚ’ዩ ግን ኸአ ጊዜኻ ብግቡእ ብምምዳብ ኹሉ ዝኸአል ነገር እዩ። ኣነ ሕጂ ዝበዝሓ ጊዜ ኣብ እዋን ሓጋይ ስለዝኾነ ውድድራተይ ንዝበዝሓ ክፋል ናይቲ ዓመት ትምህርተይ ኣብቲ ካልእ ጊዜ ብምዝዛም ኣብ ሓጋይ ድማ ንልምምድን ውድድራተይ ጊዜ ብምሃብ ይሰርሕ።ብርግጽ ብብዙሕ ነገራት ትወሓጠሉ ጊዜ ኣሎ ግን ኸአ ይኸአል’ዩ።” ምስ ሻነን ወለዱን ዝተኻየደ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።  

ሱዳን ናህሪ ዋጋ ሃለኽቲ ብዘበገሶ ህዝባዊ ተቓውሞ ትሕመስ ኣላ

ኣገልግሎት ዜና ኣሶስየትድ ፕረስ ከምዝሓበሮ ኣብ ካርቱም ርእሰ ከተማ ሱዳን ሎሚ 16 ጥሪ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሱዳናውያን ንናህሪ ዋጋታት ሃለኽቲ እንኮላይ ንሕብስቲ ኣመልኪቶም ኣብ ጎደናታት ወጺኦም ተቓውሞኦም ኣስሚዖም። ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ናይ ቪድዮ ምስልታት ከምዘርኣዮ: ኣብ ሱዳን ንዝሓለፉ ክልተ ሳምንታት መንግስቲ ንዝወሰዶ ምጉዳል ድጎማ ሕብስቲ ብምቅዋም: ሱዳናውያን ኣብ በበይኑ ቦታታት ናብ ጎደና ብምውጻእ በቲ ውሳነ ዘይዕግበቶም ክገልጹ ጸኒሖም ኣለው። መንግስቲ ሱዳን ንተሓድሶ ቁጠባታ ሃገር ብዝምኽንያቱ ድጎማ ሕብስቲ ከምዝነከየን ዋጋ ሸርፊ ባጤራ እታ ሃገር ክጎድል ከምዝገበረን’ዩ ዝሕበር። ባይቶ ሱዳን  ነዚ ብተሓድሶ ቁጠባ ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ዝወጸ ባጀት 2018 እታ ሃገር ድሕሪ ምጽዳቑ’ዩ እቲ ተቓውሞታት ኣብ ሱዳን ዝርአ ዘሎ። ሓደ ፓውንድ ሱዳን 6 ዶላር ይሽረፍ እኳ እንተነበረ: ኣብዚ ግዜዚ ግን ናብ 18 ከምዘንቆልቆለ ኣሶስየትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተሓተ ደረጃ መሰላት ደሞክራሲ

ፍሪደም ሃውስ (Freedom House) ዝተባህለ ተጣባቒ መሰረታዊ መሰላት ሓርነት ደሞክራሲ ኣብ ናይ  2018 ጸብጻቡ: ብደረጃ ዓለም ንመበል 12 ግዜ ንመትከላት ደሞክራሲ ዘቑሙ ርትዓውነት ምርጫን ሓርነት ፕረስን ከምዘንቆልቆሉ ኣፍሊጡ። ብመሰረት ካብ ፍሪደም ሃውስ ዝተረኽበ ሓበሬታ: መሰረታዊ ሓርነታት ደሞክራስያውነት ብተኸታታሊ ንመበል 12 ግዜ'ዩ ከምዘንቆልቆለ ተጠቒሱ። ጸብጻብ ፍሪደም ሃውስ ኣብ ዓመተ 2017 ናይ 195 ሃገራት ደረጃ ከምዝተጸንዐ ዝሓበረ ክኸውን እንከሎ: በዚ ድማ 88 ሃገራት ናጽነት ደሞክራሲ ዘለወን፤ 58 ሃገራት ከፊላዊ ናጸነት ደሞክራሲ ከምኡውን 49 ሃገራት ናጽነት ዘይብለን ተባሂለን ክምመያ ከምዝኸኣላ ኣፍሊጡ። ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተሓተ ደረጃ መሰላት ደሞክራሲ ይርከባ። ኤርትራ ካብ መወዳእታ ኣብ 3ይ ደረጃ ኢትዮጵያ ድማ ብተመሳሳሊ ካብ መወዳእታ ኣብ መበል 12 ደረጃ ከምዝተሰርዓ እቲ ካብ ፍሪደም ሃውስ ዝተረኽበ ጸብጻብ የረድእ። ሙሉእ ትሕዝቶ ደረጃ ሃገራት ትሕት ኢሉ ኣብ ዝርከብ ኣሃዛዊ ሓበሬታ ይርከብ። ​  

ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሰራዊት ግብጺን ኢማራት ዓረብን ምስ ኣጽዋራቶም ሳዋ ኣትዮም ኣለው ንዝብል ጸብጻብ ሓሶት’ዩ ክብሉ ነጺጎሞ

ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሰራዊት ግብጺን ኢማራት ዓረብን ምስ ኣጽዋራቶም ሳዋ ኣትዮም ኣለው ንዝብል ጸብጻብ መደበር ቴሌቭዥን ኣልጀዚራ ዝተፈብረኸን ናይ 2018 ዳእላ’ዩ ክብሉ ነጺጎሞ። ዕላማ’ቲ ናይ ሓሶት ወረ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኤርትራን ነቃእ ንምፍጣር ከምዝኾነ ዝገለጹ ፕረዚደንት ኢሳያስ ገለ ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ውሑዳን ሰብ ፍሉይ ረብሓ ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ከምዘለዎም ብምግላጽ ህዝቢ ሱዳን በዚ ግጉይ ሓበሬታ ኣይክደናገርን’ዩ ማለቶም ኣብ መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ኤርትራ ሻባይት ዝወጸ ዜና ጠቒሱ’ሎ።  ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ኹነታት ብዝምልከት ካብ ዝኾነት ሃገር ንላዕሊ ንኤርትራ ዝያዳ ከምዘሻቕላ ዝገለጹ ፕረዚደንት ኢሳያስ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ንዝሓለፈ 25 ዓመታት ዝኸሰርዎ ክመልስዎ ተስፋ እገብር ኢሉ። ጸብጻብ ብዛዕባ ርክብ ግብጽን ሱዳንን ካልኦት ተዛመዲ ጉዳያትን ዝምልከት ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንዝሃቦ ቃለመጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።  

ኣብ ኣልጀርያ ዝካየድ ጉያ መሮር ንኤርትራ ወኪሎም ዝሳተፉ ኣትሌታት ንምምራጽ ውድድር በረኻ ተኻይዱ

ዝመጽእ ወርሒ መጋቢት ኣብ ኣልጀርያ ኣብ ዝካየድ ውድድር ጉያ መሮር ኣፍሪቃ፡ ንኤርትራ ወኪሎም ዝሳተፉ ኣትሌታት ንምምራጽ፡ ብሃገራዊ ፈደረሽን ኣትሌትክስ ዝተወደብ መበል 20 ዙር ሃገራዊ ውድድር ጉያ መሮር ዝሓለፈ ሰንበት 14 ጥሪ 2018 ኣብ ከባቢ መንደፈራ ተኻይዱ። ኣብ’ቲ ናይ 10 ኪ.ሜ ውድድር ደቂ ተባዕትዮ ፊሊሞን ዓንደ ቀዳማይ ኮይኑ ኽዕወት ከሎ፡ ብደቂ ኣንስትዮ ድማ ናዝሬት ወልዱ ቀዳመይቲ ኮይና ተዓዊታ። ኣብ ናይ 8 ኪ.ሜ ርሕቐት ድማ ብደቂ ተባዕትዮ ሳምሶን ኣማረ ቀዳማይ ኮይኑ ክዕወት ከሎ ኣብ ናይ 6 ኪ.ሜ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ውድድር ኸአ ኮኾብ ገብሩ ተዓዊታ። ኣብ ናይ 8 ኪ.ሜ ናይ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮ ሕውስዋስ ቅብብል በትሪ ካብ ዝተሳተፉ ኣትሌታት እቶም ዝሓሽ ጊዜ ዘመዝገቡ ተወዳደርቲ ኣብቲ ኣብ ኣልጀሪያ ዝካየድ ውድድር ንኤርትራ ወኪሎም ከምዝሳተፉ ሃገራዊ ፈደረሽን ኤርትራ ኣፍሊጡ።  ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።   

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣብ ዝተፈጥረ ህውከት ተሳቲፎም ተባሂሎም ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ 528 ተጠርጠርቲ ክፍትሑ’ዮም

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብቶም ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣብ ዝተፈጥረ ህውከት ተሳቲፎም ተባሂሎም ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ 528 ተጠርጠርቲ ኽሶም ተቛሪፁ ድሕሪ ፅባሕ ረቡዕ ከምዝፍትሑ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ እታ ሃገር ኣፍሊጦም።እዚ መስርሕ ንዝቕጽሉ ክልተ ኣዋርሕ ከምዝቕፅል’ውን ተዛሪቦም ኣለው። ብመሰረት ውሳነ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ንጉዳይ ፍትሒ ዝከታተል ግብሪ ሓይሊ ምጥያሹ ዝገለፁ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣቶ ጌታቸው እምባየ ብደረጃ ፌደራልን ክልልን ክሲ 528 ተጠርጠርቲ ከምዝቋረፅ ሎሚ ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ሓቢሮም። እቲ ግብረ ሓይሊ ኣሰራርሓ ፍትሒ ንምምሕያሽ ናይ ሓፂር፣ማእኸላይን ነዊሕን ትልምታት ከምዝሓንፀፀ ዝዘርዘሩ ኣቶ ጌታቸው ኣብቶም ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣብ ዝነበረ ህውከት ተሳቲፎም ዝበሉዎም ተኸሰስቲ ኽሶም ብምቋራፅ ምፍታሕ ናይ ሓፂር እዋን ትልሙ ምዃኑ ኣረዲኦም።    “ነዚ መሰረት ብምግባር ብፌደራል ደረጃ ክሳብ ሎሚ ብዝተሰርሐ ናይ ምፍላይ ስራሕ 115 ተጠርጠርቲ ክሶም ኣብ ፈለማ ዙር ክቋረፅ ተገይሩ’ሎ።” እዞም ተጠርጠርቲ ንዝተቐመጠ መዐቀኒ ዘማልኡ ብምዃኖም ኽሶም ክቋረፅ ንቤት ፍርዲ ቐሪቡ’ሎ ተሃድሶ ወሲዶም ክፍትሑ እዮም እውን ኢሎም። “እዞም 115 ተጠርጠርቲ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንተኸታተልቲ ክልተ መዓልታት ስልጠና ተሃዲሶ ተወሂቡዎም ካብ ረቡዕ ጀሚሩ ምስ ሕብረተሰቦምን ቤተሰቦምን ክሕወሱ እዮም።” ብመሰረት መግለፂ ኣቶ ጌታቸው ክሲ ንምቁራፅ ኣርባዕተ መዐቀኒታት ተቐሚጦም ኣለው ።ኣብ ዝነበረ ህውከትን ዕግርግርን ንህይወት ሰብ ዘየጠፍአ፣ከቢድ ምጉዳል ኣካል ዘየውረደ፣ኣብ ምዕናው ዓበይቲ ትካላትን ቀጥታዊ ተሳተፎ ዘይነበሮ ወይ ዘይመርሐን ንሕገ መንግስትን ሕገመንግስታዊ ስርዓትን ብሓይሊ ንምቕያር ብመሪሕነት ዘይተሳተፈን ክኸውን ኣለዎ ይብል።  ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ከተማ ዲላን ከባቢ ወረዳ ዲላን ኣብ ዝነበረ ህውከት ዝተሳተፉ 361 ተጠርጠርቲ ኣብ ወረዳ ኮንሶ ኣብዝነበረ ህውከትን ዕግርግርን ብተመሳሳሊ ኩነታት ተሳተፍቲ ዝነበሩ 52 ተጠርጠርቲ ኽሶም ተቛሪፁ ናይ ተሃድሶ ስልጠና ተዋሂቡዎም ናብ ስድርኦም ክሕወሱ እዮም ኢሎም።  ናይ ተሃድሶ ስልጠና ምስተውሃቦም ናብ ሕብረተሰብን ስድርኦም ተሓዊሶም ሰላማዊ ህይወቶም ብምምራሕ ናይ ሰላም ሓይሊ ንክኾኑ ክስራሕ እዩ ኢሎም።           እዞም ዝተፈረዶም እሱራት ቅድም ክብል ብዝተቐመጠ መዐቀኒታት ናይ ነፍሲ ወከፍ እሱር ጉዳይ እናተርኣየ ብናይታ ሃገር ሕጊ መሰረት ከምዝፍፀም እውን ተዛሪቦም ኣለው።  ናይዚ ፌደራል ይቕሬታ ተጠቀምቲ ይኹኑ ኽሲ ናይ ምቁራፅ መስርሕ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝፍትሑ ሰባት ጉዳይ ብዝተቐመጠ ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ብተኸታታሊ ከምዝፍፀም ወሲኾም ገሊፆም።  እዚ ፀብፃብ ክሳብ ዝተሰርሐ ድምጺ ኣሜሪካ ካብዝተፈላለዩ ምጭንታት ከምዝረጋገፆ ፍሉጣት መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት ብዛዕባ ምቁራፅ ኽሲ ይኹን ብዛዕባ ዝተጀመረ መስርሕ ዝተነግሮም ይኹን ዝፈልጡዎ የለን ።    

ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ምስ ናይ ሱዳን መዘነኦም ኢብራሂም ካንዱር ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም

ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣቶ ወርቅነህ ገበየሁ ትማሊ ሰንበት ኣብ ካርቱም ሱዳን ወግዓዊ ምብጻሕ ብምክያድ ምስ ናይ ሱዳን መዘነኦም ኢብራሂም ጋንዱር ተራኺቦም ምዝርራቦም ተገሊጹ። ክልቲኦም ሰበ ስልጣን ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ ካርቱም ዝሃብዎ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ሱዳን ኢብራሂም ጋንዱር “ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ጉዳይ ስግኣት ሃገር ኣይተዘራረብናን ግን ንጸጥታ ሃገርና ዘስግኡ ወገናት ከምዘለው ሓበሬታ ኣለና” ዝበሉ ክኮኑ ከለው  ናይ ኢትዮጵያ  ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣቶ ወርቅነህ ገበየሁ ብወገኖም ብዛዕባ ምብጻሕ ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ናብ ግብጺ ከምዚ ኢሎም። “ እቲ ምብጻሕ ቀዳማይ ሚንስትር ክልቲኣዊ ዝምድና ንምቅጻል ዝዓለመ እዩ። ብዙሕ ክልቲኣዊ ጉዳያት ኣለና። ቁጠባዊ፡ፖለቲካዊን ማሕበራዊ ጉዳያትን ስለዚ ቀዳማይ ሚንስትር ነዞም ክልቲኣዊ ዝምድና ንምምሕያሽ እዮም  እዮም ናብኡ ከይዶም ምስዚ ድማ ዝተሓሓዝ ኣይኮነን” ኢሎም። ግብጺ ኣብ ኢትዮጵያ ዝህነጽ ዘሎ ዓብይ ናይ ህዳሴ ግድብ ናብ ግብጺ ዝፍስስ ትሕዝቶ ማይ ፈለግ ኒል የጉልድ እዩ ክትብል ከላ ኢትዮጵያ ግን ነዚ ትነጽግ። እዞም ሰበ ስልጣን ክልቲኦም ሃገራት ኣብ ማእከል ዘንቆልቁል ዘሎ ዝምድና ክልቲኣን ሃገራት ምስ ግብጺ ከምዝተራኸቡ ይግለጽ ኣሎ።

ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ምስ ናይ ሱዳን መዘነኦም ኢብራሂም ካንዱር ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም

ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣቶ ወርቅነህ ገበየሁ ትማሊ ሰንበት ኣብ ካርቱም ሱዳን ወግዓዊ ምብጻሕ ብምክያድ ምስ ናይ ሱዳን መዘነኦም ኢብራሂም ጋንዱር ተራኺቦም ምዝርራቦም ተገሊጹ።

ቱኒዝያ ብህዝባዊ ተቓውሞ ትሕመስ

ኣብ ቱኒዝያ ብዝተላዕለ ህዝባዊ ተቓውሞ ልዕሊ 300 ሰባት ተኣሲሮም ምህላዎም ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና ሓቢሩ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ቱኒዝያ ንዝኾነ ዝለዓል ህዝባዊ ተቓውሞ ንምብታን ወተሃደራት ተዋፊሮም ምህላዎም ድማ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ቱኒዝያ ብህዝባዊ ተቓውሞ ትሕመስ ዘላ ግብረመልሲ ናይቲ ዝውስኽ ዘሎ ዋጋ ቀረባት ፣ ወሰኽ ቀረጽን ሽቕለት ኣልቦነትን ከምዝኾነ'ዩ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ካብታ ሃገር ኣፍሊጡ። ብመሰረት ሓበሬታ ሮይተርስ፣ ኣብ ታላ ዝተባህለት ምስ ኣልጀርያ እትዳወብ ከተማ ዝተጎሃሃረ ህዝባዊ ተቓውሞ: ነቑጣ ሃገራዊ ጸጥታ ከምዝተቓጸለ ተሓቢሩ። ኣብቲ ነቑጣ ዝነበሩ ኣባላት ፖሊስ ድማ ክሃድሙ ከምዝተቐስቡ ሮይተርስ ንምንጭታት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምጥቃስ ገሊጹ። ኣፈኛ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ቱኒዝያ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ: ኣብ ተግባራት ስርቅን ቅጥፈትን ዝተዋፈሩ 339 ሰባት ከምዝተኣስሩ ኣፍሊጡ። ንሱ እቲ ተቓውሞ ካብ ዝጅመረሉ ኣትሒዙ ብሓፈሻ ኣስታት 600ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ምህላዎም ብተወሳኺ ሓቢሩ።

Pages