Eritrea

“ናይ ወጻኢ ሸርፊ ብስርዓት ባንክ ናብ ኢትዮጵያ ከይኣትው ዝብል ወፍሪ ኣብ ሓድሽ ዓመት ዝቐረበ አረጊት ገጸ በረኸት’ዩ” መለስ አለም

VOAnews Tigrigna -

ዓለምለኸ ሓባራዊ ግብረ ሓይሊ ኢትዮጵያዊያን ዝተባህለ አካል ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም  ናይ ወጻኢ ሸርፊ ንኸይልእኹ  ጀሚረዮ ዝበሎ ወፍሪ ከይጀመረ ዝበርዓና ሓሳብ’ዩ ክብሉ ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ አቶ መለስ አለም ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።  አቶ መለስ አለም ብዛዕባ’ዚ ተጀሚሩ ዝተባህለ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ብስርዓት ባንክ ናብ ኢትዮጵያ ከይኣትው ዝብል ወፍሪ ምላሽ  ክህቡ ንዝቐረበሎም ሕቶ ኣብ ሓድሽ ዓመት ዝቐረበ አረጊት ገጸ በረኸት ጌረ’የ ዝርእዮ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።  

ትንታነ ኣብ መግለፂ ኢህወዴግ

VOAnews Tigrigna -

ፈፃሚት ስራሕ ኢህወዴግ ኣብዚ ቐረባ ዘካየዶ ናይ 17 ማዕልታት ዕፅው ገምጋም ስዒቡ ዘውፅኦ መግለፂ ካብዝተለመደ ኣገባብ ፍልይን ትርርን ዝበለ ከምኡ እውን ንባዕሎም ብዘይንሕስያ ዝነቐፈ እዩ ይብሉ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ናይ ሕጊ መምህር ዝኾኑ ዶ/ር መሓሪ ረዳኢ።  ቀንዲ ምኽንያት ናይቶም ሽግራት ናይቲ ገዛኢ ፓርቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ሽግር እዩ ዝመስል ዝበሉ ዶ/ር መሓሪ ኣብቲ መግለፂኦም እውን ዝኣመኑ ይመስሉ ኢሎም። ‘’ኣብ ገዛኢ ፓርቲ ዘሎ ናይ ዓቕሚ፣ናይ ቕንዕናን ናይ ውፍይነት ጉዳያት እናተሸርሸ ምኻዱ እዩ ዝመልስ’’ኢሎም።  እታ ሃገር ካብዝኣተወቶ ዕንክሊል ክትወፅእ ህዝቢ ክስማዕ ኣለዎ ጥራሕ ከይኮነስ ነቲ ዝሓቶ ዘሎ እውን ግቡእ መልሲ ብእዋኑ ክውሃብ ኣለዎ ኢሎም።ናይታ ዓዲ ናይ ሓሳብ ብዝሑነት ኣብ ምትእንጋድ፣ኩሉ ብሰላምን ብሕን ዝንቀሳቐስ ሓይሊ ምችው ሃውህው ዝፍጥረሉ ኩነታት፣ሰብ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ከም ካልኣይ ዜጋ እናተርኣየ ኣብ ድልየት ናይ ወረዳ ኣማሓደርቲ ተመስሪቱ ዝነብረሉ ኩነታት ከብቅዕ፣ዝኾነ ይኹን ዜጋ እታ ሃገር ኣብ ዝኾነ ይኹን ከባቢ ተንቀሳቒሱ ክሰርሕ ኣለዎ ኢሎም ዶ/ር መሓሪ ረዳኢ።  ዝምዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።      

ኢትዮጵያ፡ ኣብ ማእሰርቲ ዝርኸቡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ከምትፈትሕ ኣፍሊጣ

VOAnews Tigrigna -

ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚንስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ዲሞክራሲያዊ ተሳትፎ ንምስፋሕ ኢሎም ብዝጸውዕዎ ጻዕሪ ናይ ፖለቲካ እሱራት ከምዝፈትሑን ብ “ማእከላዊ” ዝፍለጥ ቤት ማእሰርቲ ከምዝዕጸውን ኣፍሊጦም። ኢትዮጵያ ንተቓወምቲ ንምዕፋን ጅምላዊ ማእሰርቲ ዝርከቦ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኣሲስ ኣበባ ዝርከብ “ማእከላዊ” ዝበሃል ቤት ማእሰርቲ ኣብ ልዕሊ እሱራት መስቀይቲ ብምፍጻም ይፍለጥ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ እሱራት ንምፍታሕን ቤት ማእሰርቲ ንምዕጻውን ዝሃቦ መግለጺ ጽቡቕ’ኳ እንተኾነ ዘይተወድኡ ብዙሓት ነገራት ግን ኣለው ክብል ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምንስቲ ኢንተርናሽናል ኣፍሊጡ። ቅድሚ ሎሚ ተአሲሮም ዝተፍትሑ ውልቀሰባት ብወገኖም መንግስቲ ኢትዮጵያ ንነዊሕ እዋን ክኽሕዶ ዝጸንሓ እሱራት ፖለቲካ አሚኑ ክፈትሖም ምውሳኑ ዘሕጉስ’ዩ ግን ከምዝተለምደ ናይ ፖለቲካዊ መታለሊ ኮይኑ ኣይተርፍን ድሕሪ ምባል ኩሎም ኣብ ዝተፈላለየ ቤት ማእሰርቲ ዘለው ናይ ፖለቲካ እሱራት ድማ ክፍትሑ ኣለዎ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።    

እስራኤል ኣብ ሃገራ ዝርኸቡ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ካብ ሃገራ ክወጹ ወይ ድማ ማእሰርቲ ከምዝጽበዮም ኣፍሊጣ

VOAnews Tigrigna -

እስራኤል ናብ ሃገራ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተው ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ክወጹ ወይ ድማ ማእሰርቲ ከምዝጽበዮም ኣፍሊጣ።  ሰበ ስልጣን ክፍሊ ህዝብን ኢሚግሬሽን እስራኤል ኣብዚ ሰሙን’ዚ ካብ ሱዳንን ኤርትራን ዝመጹ ስደተኛታት ናብ ሳልሳይ ሃገር ሩዋንዳ ወይ ኡጋንዳ ክወጹ ከምዝኣዘዙ’ውን ይፍለጥ።  ብተወሳኺ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ክሳብ ወርሒ መጋቢት ዝወጹ 3,500 ዶላር ገንዘብ፡ ናይ ኣየር ቲኬትን ካልእ ሓገዝ ከምዝወሃቦም ይገልጹ።  ሆትላይን ንሰራሕተኛታት ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ዝተባህለ ትካል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ነቲ ውሳኔ ብምኹናን እቲ ስጉምቲ ንህይወት ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ዘእትው ምኳኑ’ውን ገሊጹ። እስራኤል ቅድሚ ምስ ግብጺ ዘዳውባ ዶብ ብሓጹር ምሕጻራ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ኣብ ሃገራቶም ካብ ዘሎ ግጭትን ስቕያትን ሃዲሞም ናብ እስራኤል ብምእታው ዑቕባ ዝሓተቱ ክኮኑ ከለው እስራኤል ግን እዞም ስደተኛታት ናይ ቁጠባ ስደተኛታት እዮም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተው ነቲ ኣይሁድ ህዝቢ እታ ሃገር ስግኣት ዝፈጥሩ እዮም ብማለት ናይ ዑቕባ ሕቶምኦም ዘይምቕባላ ይፍለጥ።

ከሰላ፣ ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ተታሒዞም ዝጸንሑ 95 ኤርትራውያን ናጻ ወጺኦም

Radio Erena -

Radio Erena: 03 January 2018

ኣብ ከሰላ፣ ከባቢ ጊርባ፣ ብኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ተታሒዞም ዝጸንሑ 95 ኤርትራውያን ናጻ ከምዝወጹ ምንጭታት ዜና ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።

እቶም ኣብ ምብራቕ ሱዳን ተታሒዞም ዝጸንሑ ኤርትራውያን፣ ፖሊስ ምብራቕ ሱዳን ድሕሪ ዘካየድዎ ስርሒት ናጻ ከምዝወጹ ኣዛዚ ፖሊስ እቲ ዞባ ብርጋደር ጀነራል ዓብደላ ኣልሳይግ ገሊጹ።

ሱዳንን ስዑዲ ዓረብን ብዛዕባ ህሉው ኩነታት የመንን ዞባ ወሽመጥን ዘትየን

Radio Erena -

Radio Erena: 03 January 2018

ሱዳንን ስዑዲ ዓረብን ብዛዕባ ህሉው ኩነታት የመንን ዞባ ወሽመጥን ከምዝዘተያ ማዕከናት ዜና ዓረብ ሓቢረን።

ብምክትል ሚኒስተር ምክልኻል መሓመድ ቢን ዓብዱላህ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ስዑዲ ዓረብ ብ30 ታሕሳስ ኣብ ካርቱም ኣብ ዘካየዶ ምብጻሕ፣ ምስ ፕረዚደንት በሺርን ሚኒስተር ምክልኻል ሱዳን ጀነራል ዓዋድ ኢብ ዖውፍ ኣብ ዘካየዶ ርክብ'ዩ ብዛዕባ ወትሃደራውን ጸጥታውን ኩነታት የመን ዝዘተየ።

ኣስታት ሓደ ሽሕ ሰራዊታ ኣብ ጎኒ'ቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ሓይልታት ልፍንቲ ወሽመጥ ዓረብ፣ ኣብ የመን ኣዋፊራ እትርከብ ሱዳን፣ ሰራዊታ ካብ የመን ከምዘይትስሕብን ኣብ ጎኒ'ቲ ብስዑዲ ዝምራሕ ልፍንቲ ደው ኢላ ክትቅጽል ምዃናን ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣረጋጊጻ።

ካብ ኣዲስ ኣበባ ክሳብ ጅቡቲ ዝተዘርግሐ ናይ መጓዓዝያ ባቡር ኣገልግሎት ጀሚሩ

Radio Erena -

Radio Erena: 03 January 2018

ካብ ኣዲስ ኣበባ ክሳብ ጅቡቲ ዝተዘርግሐ ናይ መጓዓዝያ ባቡር ኣብ ሓድሽ ዓመት ኣገልግሎት ከምዝጀመረ ሺንሁዋ ሓቢሩ።

እቲ 756 ኪሎሜተር ዝሽፍን ናይ መጓዓዝያ ባቡር ብክልተ ኩባንያታት ቻይና ዝተሃንጸ ኮይኑ፣ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ድሕሪ ምዝዛሙ ፈተነ ክካየደሉ ድሕሪ ምጽናሕ'ዩ ብወግዒ ህዝባዊ ኣገልግሎት ክህብ ጀሚሩ ዘሎ።

እቲ መንገዲ ባቡር ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሱ ክሳብ ጅቡቲ ዝበጽሕ ንሓያሎ ከተማታት ብምትእስሳር፣ ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ መጓዓዝያ እታ ሃገር ንዝነበረ ጸቕጢ ብዝተዓጻጸፈ ከፋኹስ ትጽቢት ይግበረሉ።

Central Region Regular Assembly Meeting

Shabait -

The Central Regional Assembly held the 17th regular meeting on 29 December here in the capital under the theme “Concerted Effort for National Development and Resilience”.

Asmara, 03 January 2018 - The Central Regional Assembly held the 17th regular meeting on 29 December here in the capital under the theme “Concerted Effort for National Development and Resilience”.

In a report he presented regarding social, economic, political and other activities in the region, Mr. Abraham Semere, Chairman of the Regional Assembly, explained that significant development programs including soil and water conservation campaigns, forestation activities as well as construction of dams and micro-dams aimed at ensuring food security have been implemented.

Noting that important projects initiated to ensure sustainable water and electricity supply have paid off, Mr. Abraham pointed out that the Regional Assembly is relentlessly working in cooperation with pertinent institutions to remedy social problems.

In addition, a number of committees for economic development, social services, culture and heritage, besides committees for law and order presented work reports for 2017 on which discussions were conducted.

Following discussion on the reports presented, the Regional Assembly adopted recommendations and resolutions on the overall activities, including the enhanced public participation in the development programs mapped out, proper use of social service provision institutions, active participation in the prevention of crop and livestock disease, and the need for heeding the regulations issued.

Speaking on the occasion, Maj. General Romodan Osman Awliyay, Governor of the Central region, called for enhanced public contribution so as to ensure the success of development programs for 2018.

 

ዓለምለኸ ሓባራዊ ግብረ ሓይሊ ኢትዮጵያዊያን ሸርፊ ወጻኢ ከይልእኹ ጸዊዑ

VOAnews Tigrigna -

ዓለምለኸ ሓባራዊ ግብረ ሓይሊ ኢትዮጵያዊያን ዝተባህለ አካል ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣትሒዙ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ናብ ኢትዮጵያ ሸርፊ ወጻኢ ከይልእኹ ጸዊዑ። እቲ ግብረ ሓይሊ ነዚ ብመልክዕ ወፍሪ ዘቕረቦ መጸዋዕታ ዝሃቦ ሓደ ምክንያት ኢትዮጵያዊያን ዝልእኽዎ ሸርፊ ወጻኢ ነቲ ኣገዛዝኣ ብዘይበጽሕ መንገዲ እንተዘይጌሮሞ ዓቕሚ ምድኻም ይክኣል’ዩ ይብል። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።  

ኢትዮጵያ፡ መግለጺ ኢህኣዲግ ሓድሽ ነገር ዘይብሉ ጊዜ መዓደጊ’ዩ ክብሉ ኦፌኮን ሰማያዊ ፓርቲን ነጺጎሞ

VOAnews Tigrigna -

ኣብ ኢትዮጵያ ተቓውሞ ሰልፍታት ካብ ዝጅምር ልዕሊ ክልተ ዓመታት ኮይኑ’ሎ። ብሰንኪ እዚ ተቓውሞታት ድማ ሞት፡ ጉድለት አካል፡ንብረት ምዕናውን ማእሰርቲን ብሓፈሻ ፖለቲካዊ ቅልውላው ፈጢሩ’ሎ። ድሕሪ’ዚ ገዛኢ ፓርቲ ኢህኣዲግ ን18 መዓልታት ዕጽው ኣኼባ ከካይድ ምቕናዩን ኣኼብኡ ዛዚሙ ትማሊ መግለጺ ምሃቡ ይፍለጥ።  እቲ መግለጺ ኣብ ኣመራርሓ ንዝተፈጥሩ ድኽመታትን ስግኣታትን ንምእላይ ብዝኽእል ምርድዳእን ስምምዕ ገምጊሙ ኣኼብኡ ከምዝዛመ ኣፍሊጡ’ሎ። ተቓወምቲ ፖለቲካ’ታ ሃገር ግን ናይ ኦሮሞ ፈደራሊስት ኮንግረስን ሰማያዊ ፓርቲን ግን እቲ መግለጺ ሓድሽ ነገር የብሉን ዝተለመደ አዘናጊዕካ ጊዜ መዓደጊ ውልቀ መላኪነት መቐጸሊ’ዩ ክብሉ ነጺጎሞ ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።  

ኣብ ዓመተ 2017 ዝተራእዩ ለውጢታት ፖሊስ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ

VOAnews Tigrigna -

ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥሪ ስልጣን ካብ ዝሕዙ ቅድሚኦም ዝነብሩ ፕረዚደንት ይስዕቡዎ ዝነበሩ ፖሊሲ ወፃኢ ጉዳያት ብምግልባጥ ወይ ብምቕያር እየሩሳሌም ከም ዋና ከተማ እስራኤል ኣፍልጦ ሂቦም፣ምስ ኢራን ብዝተኣሳሰር ዝተፈረመ ስምምዕ ኒክሌር ነፂጎምዎ፣ካብ ውዕል ኩነታት ኣየር ፓሪስ ወፂኦምን ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮሪያ ተሪር መርገፂ ሒዞምን።ነዚ ለውጢ ፖሊሲ ወፃኢ ገሊኦም ብኣወንታ ካልኦት ኸአ ብኣሉታ ይርእይዎ። ፕረዚደንት ትራምፕ እዮሩሳሌም ዋና ከተማ እስራኤል እያ ብምባል ኣፍልጦ ክህቡ ከለው ንብዙሓት ሃንደበት’ዩ ኮይኑዎም። “እየሩሳሌም ዋና ከተማ እስራኤል ክትኸውን ብወግዒ ኣፍልጦ ምሃብ እዋኑ ኣኺሉ’ሎ።” ነዚ ኣፍልጦ ፕረዚደንት ትራምፕ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒ ጉተረስ ግን ነቲ ፀገም ዝፈትሕ ኣይኮነን በሉ። “ክልተ ሃገራት ክህልዋ ኣለወን ካብ ዝብል መፍትሒ ወፃኢ ካልእ ኣማራጺ የለን።ካልእ መንገዲ የለን።” ናይ ፕረ. ትራምፕ እወጃ ጉዳይ እየሩሳሌም ብልዝብ ክውሰን ኣለዎ ንዝብል ነዊሕ ንዝፀንሐ ናይ ኣሜሪካ ፖሊሲ ዝቐልበሰ እዩ።  ፕረዚደንት ትራምፕ ሰሜን ኮሪያ፣ናይ ኢራን ናይ ኒክሌር ስምምዕ፣ውዕል ኩነታት ኣየር ፓሪስ ኣንፈት ኣሜሪካ ዝተፈለየ ክኸውን ገይሮም ።ነዚ ብኣወንታ ካብ ዝርእይዎ ሄሪቴጅ ፋውንደሽን ኣብ ዝተባህለ ትካል ዝሰርሑ ኒል ጋርድነር እዮም። “ኣብ ዒራቕን ሶሪያን ኣንፃር ዳዕሽ ዝተኻየደ ውግእ ብንፁር ሪኢና ኣለና።ዳዕሽ ምሉእ ብምሉእ ክጠፍእ ተቐራሪቡ።ሰሜን ኮሪያ ብዝምልከት ፀቕጢ ሓይሉ’ሎ፤ኣብ ብልዕሊ ኢራን እውን ከምኡ።”                     ፕረ. ትራምፕ ሓይሊ ዝተመልኦ ኣገባብ ከምዝጥቀሙ ንደገፍቶም እንተገለፁ እውን ገለ ነቐፍቲ ግን ከም ናይ ኢራን ዝኣመሰለ ዝተሓላለኸ ኩነታት ዲፕሎማሲያዊ ብልሓት የድልዮ እዩ ይብሉ።ማእኸል ምዕባለ ኣሜሪካ ኣብ ዝተባህለ ትካል ዝሰርሑ ሩዲ ደሊዮን ብዛዕባ’ዚ ከምዚ ይብሉ። “ካብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ጀሚሩ ኣብቶም ዝሓለፉ 70 ዓመታት ናይ ኣሜሪካ ድሕነትን ኣብ ዓለም ዝነበራ ቦታን ኣብ ክልተ ቀንዲ መሳርሒታት ዝተመስረተ እዩ።ቀዳማይ ዲፕሎማሲያዊ ሓይላ ካልኣይ ድማ ወታደራዊ ሓይላ እዩ።ኣዚዩ ዝተሓሰበሉ ኣማራፂ ፖሊሲ ወፃኢ ከየቕረብካ ነዚ ዲፕሎማሲያዊ መሳርሒ ካብ ጠረጴዛ ተልዕሎ ኣለኻ ማለት እዩ።” ፕረዚደንት ትራሞፕ ቅድሚኦም ዝነበሩ ፕረዚደንት ይኽተሉዎ ዝነበሩ ናይ ፓሪስ ስምምዕ ለውጢ ኣየር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ብምፍራስ ኣሜሪካ ንዓለምለኸ ስምምዕ ዝነፀገት እንኮ ሃገር ኮይና’ላ። ሩዲ ደ ሊዮን መተካእታ ከየቐመጥካ ካብ ናይ ፓሪስ ስምምዕ ምውፃእ ኣብ ክንዲ 10 ዓመታት ንቕድሚት 10 ዓመታት ንድሕሪት ዝወሰደና እዩ ይብሉ።  ካልኦት ተዓዘብቲ ድማ ፕረ.ትራምፕ ከምቲ ብዙሓት ትፅቢት ዝገበርሉን ኣብ እዋን ምርጫ ዘስምዕዎ መደረን ንዓለም ኣየገለሉዋን ክብሉ ይከራኸሩ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።                  

134 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ተገሊጹ

VOAnews Tigrigna -

ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን 134 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ናይ ስፔን ዘይመንግስታዊ ትካል ፕሮኣክቲቭ ኦፕን ኣርምስ ሓቢሩ። እቶም ስደተኛታት ካብ ከተማ ሳባርታ ዝተበገሱ ክኾኑ ከለው ጉዕዞ ምስ ጀመሩ ድሕሪ 24  ሰዓታት ብናይ ህይወት ኣድህን መራኽብ ሓገዝ ረኺቦም ናብ ማልታ ከምተወስዱ ተፈሊጡ’ሎ። ካብቶም ስደተኛታት 26 ህጻናት ኽኮኑ ከለው እቶም 24 አላይ ዘይብሎም ህጻናት ምዃኖም’ውን ተሓቢሩ’ሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ትማሊ ሶኑይ ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ጋምቢያዊያን ስደተኛታት ብሓገዝ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ሃገሮም ምምላሶም ተገሊጹ። እዞም ስደተኛታት አካል’ቲ ኣብ ቀረባ  ጊዜ ዝጀመረ ፕሮግራም ምጥያስ ኣብ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ዘለው ስደተኛታት ናብ ሃገሮምም ዝተመልሱ ምኳኖም’ውን ይፍለጥ።  ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ዓመተ 2017 ጥራይ ኣስታት 15,000 ስደተኛታት ካብ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ሊብያ ናብ ሃገሮም ከምዘጣየሰ ገሊጹ።  ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ኣውሮጳ ንምብጻሕ ምድረ በዳ ሰሃራ ብምሕላፍ ብሊብያ ኣቢሎም ማእከላይ ባሕሪ ብምቑራጽ ብዙሓት ንነዊሕ ዓመታት ክመርጽዎ ዝጸንሑ መንገዲ ኽከውን ከሎ ኣብዚ ጉዕዞ ብዝሒ ዘለዎ ስደተኛታት ኣብ ምድረ በዳ ሰሃራን ማእከላይ ባሕሪ ምሟቶም’ውን ይፍለጥ። ብተወሳኺ ብዙሓት ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ኣብ ዝዝውተረሉ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ሊብያ ክጸንሑ ከምዝግደዱ ይፍለጥ።

ኣብ ኢራን ዝተላዕለ ተቓውሞ ምቕጻሉን ቁጽሪ ዝሞቱ ናብ 200 ክብ ምባሉ ተገሊጹ

VOAnews Tigrigna -

ኣብ ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ተሓጋጋዚ ሚንስትር ኣብ ጉዳይ ዒራቕን ኢራንን ኣንድሪው ፒክ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኢራን ዝኻየድ ዘሎ ተቓውሞ “ እዞም ተቓውሞታት ነቲ ኣሜሪካ ኣቐዲማ ትብሎ ዝነበረት ዘመላኽቱ እዮም።  ቀንዲ ግዳያት መንግስቲ ኢራን ህዝቢ ኢራን እዮም። ነቲ ኩነታት ብቐረባ ንከታተሎ ኣለና። ደገፍና ንህዝቢ ኢራን ቀጻሊ’ዩ። ብዛዕባ’ዚ ድማ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ’ውን ንጹር መርገጺና ገሊጾም እዮም። ብተወሳኺ መንግስቲ ዜጋታት ዘለዎም መሰል ተቓውሞ ከኽብሩን ነቲ ሰላማዊ ተቓውሞ  ጎነጻዊ ግብረ መልሲ ካብ ምሃብ ክቑጠቡ ንጽውዕ። ምክንያቱ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ሰባት እዮም ስለዚ ኽክበሩ ድማ ኣለዎም” ኢሎም።  ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ ንግሆ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ህዝቢ ኢራን ነቲ ብልሽውን ጨካን መንግስቲ ኢራን ናይ ምግጣም ስጉምቲ’ዩ ዝወስድ ዘሎ ኢሎም። ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኢራን ብወገንም “ ጥቕሚ ዘይብሎምን ንካልኦት ሃገራት ዝዘልፉ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ዘጥፍእዎ ጊዜ ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ኣተኹሮም ነቲ መዓልታዊ ዝፍጸም ቕትለት ሰባትን ጉዳይ መንበሪ ዘይብሎም ዜጋታት እታ ሃገር ኣብ ምፍታሕ እንተዘውዕልዎ ይግባእ” ክብሉ መልሲ ሂቦምሉ ኣለው። መራሒ ኢራን መዓልታት እቲ ተቓውሞ ድሕሪ ምጅማሩ ሎሚ ጸላእቲ እታ ሃገር ብገንዘቦምን ኣጽዋርን ብፖሊሲን ነዚ ዘይምርግጋእ የጋድድድዎ ኣለው ኢሎም። ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ቱርኪ ብወገኖም ብዛዕባ እቲ ዘጋጥም ዘሎ ጉድኣት ከምዘሻቐሎም ብምግላጽ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ከይተኣታተወ እቲ ጉዳይ መዓልቦ ኽረኽብ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም።  ብመሰረት ሓበሬታ ቴሌቭዥን እታ ሃገር ቁጽሪ ዝሞቱ ናብ 20 ክብ ምባሉ ሓቢሮም ኣለው

Call for reinforcing effort in water and soil conservation

Shabait -

Mr. Arefaine Berhe, Minister of Agriculture, said that soil and water conservation has significant contribution in boosting agricultural production and called on administrators to give utmost consideration and encourage residents to conduct sustainable popular campaigns to that end.

Barentu, 02 January 2018- Mr. Arefaine Berhe, Minister of Agriculture, said that soil and water conservation has significant contribution in boosting agricultural production and called on administrators to give utmost consideration and encourage residents to conduct sustainable popular campaigns to that end.

At an assessment meeting conducted on 29 December in Barentu, Minister Arefaine called for strengthening soil and water conservation popular campaigns, applying crop rotation as well as natural fertilizer and pesticides with a view to augment production.

At the meeting reports were presented regarding crops, vegetables and fruits development, milk and meat, bee and poultry farming, soil and water conservation, livestock health and other activities conducted in the region and the impact they had in improving the lives of the public.

The participants held extensive discussion on the reports presented and expressed readiness to reinforce participation in the development of agricultural activities in the region.

The Governor of the region, Mr. Fesehaye Haile on his part called for strengthening vegetables and fruits cultivation and water diversion schemes for enhanced production.

Livestock vaccination in Anseba

Shabait -

In 2017 around 630 thousand livestock were vaccinated in Anseba region against internal and external pests, according to Mr. Michael Tesfaselasie, head of animal health in the region.

Keren, 02 January 2018- In 2017 around 630 thousand livestock were vaccinated in Anseba region against internal and external pests, according to Mr. Michael Tesfaselasie, head of animal health in the region.

Mr. Michael pointed out that the vaccination program that was conducted in 90 administrative areas from 131 centers was aimed at ensuring the health of the livestock and guarantee their development Indicating that there was sufficient facility and medicine as well as the cooperation on the part of the public and administrations, Mr. Michael called on area administrators to strengthen role in public awareness raising campaigns for better outcome.


Mr. Michael also called on farmers to properly follow the advice provided by agricultural experts and to report in case of observing the occurrence of any threat of health to their livestock.

Praiseworthy environmental sanitation activities

Shabait -

Commendable environmental sanitation activities with the objective of preventing communicable diseases was conducted in Diga and Ad-Ganed administrative areas of Mogolo and in Naro-Ans administrative areas in the Afabet sub zone.

Keren, 02 January 2018 - Commendable environmental sanitation activities with the objective of preventing communicable diseases was conducted in Diga and Ad-Ganed administrative areas of Mogolo and in Naro-Ans administrative areas in the Afabet sub zone.

According to a report by the head of Social Services Mr. Saleh Telke, latrines were introduced in 16 villages of the 22 villages in Mogolo sub zone.

Head of Environmental Sanitation in the Gash Barka region Mr. Abdu Yacob, as well as the head of health branch in Mogolo sub zone, Sister Yorusalem Zerai on their part commending the residents of the Daga and Ad-Ganed administrative areas for their strong participation called for enhanced involvement.

Likewise, the head of health facility in Noro-Ans administrative area, Afabet sub-zone, Nurse Filimon Ahferom also stated that successful environmental sanitation popular campaign was conducted for the last six months by the residents of the administrative area.

At an activity assessment meeting conducted in the sub zone, Nurse Filimon indicated that owing to the sustainable popular campaigns conducted the prevalence of malaria and diarrhea was significantly reduced.
Residents on their part expressed readiness to maintain and sustain the encouraging achievements registered through the popular campaign.

Pages

Subscribe to shekortet.com aggregator - Eritrea