Eritrea

መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ፖለቲካ እሱራት ናብ ፍርዲ ከቕርብ ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena -

Radio Erena: 07 January 2018

መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ፖለቲካ እሱራት ከምዘለዉዎ ካብ ተኣመነ፣ ናብ ቅድሚ ሕጊ ከቕርቦም ይግባእ ክብሉ ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ መሰላት ጸዊዖም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፣ ብረቡዕ 3 ጥሪ፣ ኩሎም ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑ’ዮም ዝብል መግለጺ ሂቡ፣ ተባሂሉ ዝወጸ ሓበሬታ፣ ናይ ትርጉም ጌጋ እዩ፣ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ‘ንገለ ናይ ፖለቲካ እሱራት ምሕረት ክግበረሎም’ዩ’ እዩ ኢሉ ዝብል ዜና ካብታ ሃገር ኣብ ዝፍነወሉ ዘሎ እዋን’ዩ እዚ ጻውዒት’ዚ ዝቐርብ ዘሎ።

ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሑቲ፣ ናብ ሰራዊት መንግስቲ የመን ኢዱ ሂቡ

Radio Erena -

Radio Erena: 07 January 2018

ሓደ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ዕጡቕ ሓይሊ ሑቲ ምስ ሓምሳ ኣባላቱ፣ ናብ ሰራዊት መንግስቲ የመን ኢዱ ከምዝሃበ፣ ማዕከን ሓበሬታ ኣል ዓረቢያ ኣፍሊጡ።

እቲ ብቀዳም 6 ጥሪ ኣብ ወደባዊት ከተማ ሖደይዳ ኢዱ ዝሃበ ወተሃደራዊ ኣዛዚ፣ በቲ ብስዑዲ ዓረብ ተደጊፉ ዝዋጋእ ዘሎ ሰራዊት መንግስቲ የመን ኣብ ፍጹም ከበባ ኣትዩ ከምዝነበረ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ የመልክት።

Eritrea: New Year Message by Abeba Tesfaghiorgis ~~ መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት ብኣበባ ተስፋገዮርጊስ

Asmarino -

ኢሳያስ ነቲ ብግብሩ “እቲ ሃገር ናተይ፡ ወናኒ ባሕርን ባህርያዊ ሃብትን ባዕለይ ዉጹ እንተዘይወጻእኩም ድማ ይኣስረኩም የሕቅቀኩም፡ የጥምየኩም፡ ግዳይ በቢዓይነቱ ሕማማት ትኾኑ፡ ምንባርኩም ከም ዘጽላኣኩም ይገብረኩም፡ ኣብ  ፈቀዶ ማዓሰክራት ከርተት በሉ፡ ኣብ ባሕሪ መዲተራንያን ተቀበሩ፡ ኣብ ልብያ ዘመናዊ ብርነት ተሸየጡ ተለወጡ፡ ክፍላተ ኣካላትኩም ንዕዳጋ ይውረድ፡ ኣዴታትኩም ይብከያ ይዋረዳ፡ ኣዋልድኩም ብኣሕዋተንን በዲዊንን ይግሃሳ፡  ኣብ ርእሲ በሰላ ቁስለንን፡ ድኽነተንን፡ ሓዘነንን፡ ኣቦ ዘይብሉ ክድርብይኦ ዘይክእላ ቆልዓ ይሰከማ፡ ኣብ ኤርትራ ኢ-ሰባዊ ተግባራት ይግበር ከም ዘሎ ይረጋገጽ፡  ኣይግድሰንን’ዩ።  ኣብ ናይ ዓለም ቤት ፍርዲ ከይቀርብ፡ ጭካኒኦም ከም ናተይ ኣይከውንን እምበር ክሱሳት መራሕቲ ኣለው፡ ዓበይቲ መንግስትታት ድማ ንሓቂ ዘይኮነስ ረብሓኦም እዮም ዝርእዩ። ኣበይከ ከይትበጽሑ ተማናጨቱ ድኣ” ኢሉ ከምዚ ኹሉ  ነቲ ዓይኒ ዘይብሉ ጥልመቱን ጨካን ልቡን ዘግደዶ ይመስል። ህዝቢ ትሕቲ ዕድመ ከይተረፈ ዝረኸበ ይርከቢኒ ኢሉ ብቀጻሊ ይስደድ ኣሎ።  እቲ  ዝወረደ ይውረደኒ ክጸወሮ’ዩ ዓደይ ኣይገድፍንዩ ዝበለ ቁጽሪ እናዋሓደ ዝኸይድ ዘሎ ድማ፡  ብዙሕ ዓይነት ስራሓታውቲ፡ ዓበይቲ ትካላትን ጋራጃትን ምዕጻው  ዊሒዱስ ሕጂ ድማ ማእለያ ዘይብለን ንኣሽቱ ድልኳናታዉቲ’ውን ተዓጽየን ይባሃል ኣሎ።

Read More ...

Eritrea: Open letter to Mr. Marco Minniti, Italian Minister of Interior Re: Release the Innocent Medhanie Tesfamariam Berhe

Asmarino -

Mr. Medhanie Tesfamariam Berhe has spent over 18 months in a Palermo prison whilst his trial has been postponed four times, delaying hearings which might have set him free by now. The circumstances of his arrest and the charges brought against him have, by now, been demonstrated to be baseless and specious. Mr. Medhanie Tesfamariam Berhe is indeed not Mr. Medhanie Yehdego Mered, the man who is wanted by your jurisdiction for human smuggling, despite sharing the same first name.

Read More ...

Go Love a Bum: When Art and Artist Mislead

Awate -

You are a survivor A child of promise You are protected like the iris of the eye Time flies, you are at the age of engagement and marriage During the planting season before the rains fall My heart led me, and I came to visit you I stand on your threshold and say how are…

General Secretary of Synod Gives Benediction

Shabait -

His Holiness Abune Lukas, General Secretary of the Eritrean Tewahdo Orthodox Church Synod, gave benediction in connection with Geez Christmas.

Asmara, 6 January 2018 -  His Holiness Abune Lukas, General Secretary of the Eritrean Tewahdo Orthodox Church Synod, gave benediction in connection with Geez Christmas.

The General Secretary of the Synod wished a merry Geez Christmas to the Eritrean people inside the country and abroad, members of the Eritrean Defense Force, as well as the sick.

His Holiness Abune Lukas called on the faithful to extend hand to  the needy and assist families of martyrs.

His Holiness also wished Christmas to bring peace and prosperity as well as success to national development programs.

 

መራሕቲ ኣባል ውድባት ኢህወዴግ ዝሃብዎ እዋናዊ ሓባራዊ መግለጺ

VOAnews Tigrigna -

መራሕቲ ኢህወዴግ ‘ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ድሕሪ ዘካየዶ ኣኼባ ‘ብመንጽር ሓቢርካ ምስራሕ መሪሕነት ብዕምቆት ዝተዳህሰሰሉ ከምዝነበረ፣ ውሽጠ ዲሞክራሲን ናብ ህዝቢ ኣብ ምዝርጋሕን ግና ጸገም ከምዝነበረ ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ’ሎ’ ኢሎም። እቲ ን18 መዓልታት ዝቀጸለ ዕጹው ኣኼባ ‘ኣብ’ታ ሃገር ኣንጸላልዩ ኣሎ ዝባሃል ጸገም ሓደ መዘራረቢ ኣጀንዳ ከምዝገበረ’ እቲ ዜና ይሕብር። ኣቦ መንበር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ‘ብመንጽር ሓድነት ኣሓት ውድባት ኢህወዴግ፣ ቀጻሊ ስራሕ ከምዝተዓየሉ’ ገሊጾም። ምክትል ሊቀ መንበር ኢህወዴግን ኣቦ መንበር ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቃስ ብሄረ ኣምሓራ (ብኣዴን) ኣቶ ደመቀ መኮንን ‘እቲ ዝተፈጠረ ናይ ኣረኣእያ ሓድነት ንተግባራዊ ተበግሶ መሰረት ኣንቢሩ’ዩ’ ይብሉ። ኣቦ መንበር ዴሞክራሲ ውድብ ህዝቢ ኦሮሞ (ኦህዴውን) ኣማሓዳሪ ክልል ኦሮምያ ኣቶ ለማ መገርሳ ብወገኖም ‘ህዝቢ ጸገሙ ዘይፍተሐሉ እንተኾይኑ ናብ ዓመጽ’ዩ ዝኣትው። ኩሉሻዕ ዝሕቆን ነገር ምንታጉ ኣይተርፍን’ ኢሎም። ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ ብተረኦም ‘እሱራት መራሕቲ ፖለቲካን ካልኦትን፣ ምሕረት ንዝግባኦም ምሕረት፣ ኣብ ከይዲ ዘለው ድማ ከይዲ ሙግት ተቛሪጹ ተረባሕቲ ንክኾኑ ምግባር ንቕድሚት ሓደ ስዳሮ ምስጓም’ዩ ባሃልቲ ኢና’ ኢሎም።  

እስራኤል ኣብ ሃገራ ዝርከቡ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ካብ ሃገራ ክወጹ ኣዚዛ

VOAnews Tigrigna -

እስራኤል ናብ ሃገራ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተው ንዝበለቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ክወጹ ወይ ድማ ማእሰርቲ ከምዝጽበዮም ኣፍሊጣ። ሰበ ስልጣን ክፍሊ ህዝብን ኢሚግሬሽን እስራኤል ኣብዚ ሰሙን’ዚ ካብ ሱዳንን ኤርትራን ዝመጹ ስደተኛታት ናብ ሳልሳይ ሃገር ሩዋንዳ ወይ ኡጋንዳ ክወጹ ከምዝኣዘዙ’ውን ይፍለጥ። ብተወሳኺ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ክሳብ ወርሒ መጋቢት ዝወጹ 3,500 ዶላር ገንዘብ፡ ናይ ኣየር ቲኬትን ካልእ ሓገዝ ከምዝወሃቦም ይገልጹ። ኣብ እስራኤል ን9 ዓመታት ዝነበረ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዝነጥፍ ኤርትራዊ መንእሰይ ተኽሊት ሚካኤልን ካብ ናይ ሕ/ሃ ትካል ስደተኛታት ኣብ እስራኤል ክፍሊ ህዝባዊ ሓበሬታን ርኽብ ወጺኢ ጉዳያት ሻሮን ሃረል ዝተኻየደ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።  

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ኣብ መስርሕ ምስክርነት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ውሳነ ከምዘይሃበ ተሓቢሩ

VOAnews Tigrigna -

ናይ ኢትዮጵያ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣባላት ኣመራርሓ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ክምስክሩሎም ዝፀውዑዎም ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣቀራርባ ብዝምልከት ውሳነ ከምዘይበፅሓሉ ኣፍሊጡ።  እኒ ኣቶ በቀለ ገርባ ዝርከቡዎም ኣብ መአረሚ ቦታ ዝርከቡ ኣባላት ኣመራርሓ እቲ ውድብ ቃለ ምስክርነት ክህቡ ዝቖፀሩዎም ቀዳማይ ሚንስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ፣ኣቶ ለማ መገርሳ፣ኣቶ ኣባዱላ ገመዳ፣ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድን ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒን ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ምስክርነት ዝህብሉ ኣገባብ ውሳኔ ከምዘይበፅሐሉ ሎማዕንቲ ዓርቢ ዝገለፀ ቤት ፍርዲ ን3 ጥሪ 2010 ዓ/ም ቆፀሮ ሂቡ’ሎ። ኣቦ መንበራት ኣርባዕቲአን ናይ ኢህወዴግ ኣባል ውድባት ንመንግስታዊ መራኸቢ ማዕኸናት ኣብዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ሃገራዊ ምርድዳእ ንምፍጣርን ዴሞክራሲያዊ ምህዳሩ ንምስፋሕን ክብሃል ብዝሰርሑዎ ጥፍኣት ንዝተኣስሩ ኣባላት ኣመራርሓ ተቓወምቲ  ውድባትን ገለ ውልቀሰባትን ብሕጋዊ ኣገባብ ክፍትሑ ከምዝተሰወሰን ምግላፆም ይዝከብር።ይኹን እምበር እኒ መንን መዓስን ከምዝፍትሑ ግን ኣይተገልፀን።    

ሳልሳይ ሃገራዊ ዋዕላ ቋንቋታት ትግራይ ተኻይዱ

VOAnews Tigrigna -

ሳልሳይ ሃገራዊ ዋዕላ ቋንቋታት ትግራይ ተኻይዱ፡፡ኣብዚ ዋዕላ ካብ ምሉእ ሃገር ዝመፅኡ ብርክት ዝበሉ ምሁራን ቋንቋታት ተረኺቦም ነይሮም፡፡ ልዕሊ 15 ውፅኢታት ምርምር ዝኾኑ ፁሑፋት ቀሪቦም እዮም፡፡  እቲ ዋዕላ  ካብ 29 ሕዳር ክሳብ 1 ታሕሳስ 2010 ዓ.ም ን3 ማዓልታት እዩ ተኻይዱ፡፡ ዋና ዳይረክተር ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ዶክተር ዳንኤል ተኽሉ ፤ እዚ 3ይ ሃገራዊ ስምፖዝየም ቋንቋታት ትግራይ ካብቶም ዝሓለፉ ክልተ ስምፖዘየማት ዝፍለየሉ ምኽንያት ክልተ ዓበይቲ ነገራት ኣለዉ፡፡ ኣብ ዝሓለፉ 1ይን 2ይን ስምፖዘየማት  ዝቀረቡ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ኣብ መብዛሕትኦም መፅናዕቲ ተገይሩ ዝነበሮም እወንታን ኣሉታን መመሃሃሪ ክኸውን ናብ ተሳተፍቲ ክቐርብ ምግባሩ፡: እቲ ካልኣይ ድማ ዋላ’ኳ ኣብ ዝሓለፉ ስምፖዘማት እውን ፅቡቅ ተሳትፎ እንተነበረ ናይ ሎሚ ግን ዝበለፀ ግዘ ከይተፀባፀቡ ብናይ ናተይነት ስምዒት ሰፊሕን ዓሙቅን ዘተ ብምክያድ ዓብዪ ቁም ነገር ክርከበሉ ብምኽኣሉ እዩ፡፡ ኣይተ ንጉስ ደስታ ፤ ኣነ ዘቅረብኩዎ መፅናዕታዊ ፅሑፍ  ኣብ ቋንቋ ሳሆ ዝጠመተ እዩ፡፡ ተወላዲ ብሄረሰብ ኢሮብ ብምዃነይ ኣብቲ ቋንቋ ዝርኣዩ ግድፈታት ኣጠቃቅማ እየ ንምቅራብ ኪኢለ፡፡ ኣብ ኣናብባ ሳሆ  ዝወሓጡን ዘይውሓጡን ኣብ ኣደማምፃ ብዝግባእ ንምጥቃም ዘኽእል 19 ኣብ ቋንቋ ሳሆ ኣመልኪቶም ዝተፀሓፉን ኣብ መራኸቢ ሓፋሽ ንጥቀመሎምን ብምድህሳስ እየ ኣቅሪበዮ፡፡ ወይዘሪት ዙፋን ገብረሂወት  “ኣብ ከባቢ ራያ ዝፍለጥ ባህሊ እየ ኣቅሪበ፡፡ እቲ ባህሊ ደቂ ኣንስትዮ ራያ ዝጥቀማሉ ምግባእ ወይ ምእታው ዕጣን እናተብሃለ ዝፍለጥ ባህሊ ኣብ ኣገዳስነቱ ኣድሂበ ብምፅናዕ እየ ኣቅሪበ ፅቡቅ ተቀባልነት ድማ ረኺቡ፡፡” ኣይት ፀጋይ  “ቋንቋ  እንትብሃል ሰፊሕ እዩ፡፡ ኣብ ሓደ ማዓልቲ ተዛሪብካ እትውድኦ ኣይኮነን፡፡ይኹን እምበር ኣብ ዝሓለፉ ዋዕላታት 2 ማዓልቲ ነይሮም ሎሚ ናብ 3 ማዓልቲ ተገይሩ  እዩ፡፡  አዚ ፅቡቅ ለውጢ እዩ፡፡ግን ቡዙሕ ማዓልቲ ዘድልዮ: ሎሚ ዋዕላ ካብ ዝሓለፉ ዋዕላታት ፍልይ ዘብሎ ሕውስውስ ዘይበሉ ንፁር ዝኾነ ኣርእስትን መፅናዕትን ዝቐረበሉ ምንባሩ እዩ” ክብሉ ርእይቶ ኦም ሂቦም፡፡ ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል፡፡  

ኣሜሪካ ንህዝቢ ኢራን ክትድግፍ`ያ፡ ምኽትል ፕረዚደንት ኣሜሪካ ማይክ ፐንስ

VOAnews Tigrigna -

ምኽትል ፕረዚደንት ኣሜሪካ ማይክ ፐንስ፡ ህዝቢ ኢራን ለውጢ ክጠልብ ኸሎ ድጋፍና ክነስምዕ ሕልናዊ ግቡእና`ዩ ኢሉ። ማይክ ፐንስ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መጠይቕ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ህዝቢ ኢራን ክልዓል ከሎ ከም ፕረዚደንት ኦባማ ምላሽ ንምሃብ መዓልታት ኣይወስደሉን ኢሉ። ምኽትል ፕረዚደንት ኣሜሪካ ማይክ ፐንስ ምስ ተሓባባሪት ጋዜጠኛ ድምጺ ኣሜሪካ ግሬታ ቫን ሱስተርን ዝገበሮ ቃለመጠይቕ ዝተዳለወ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።    

Commendable youth empowering trainings

Shabait -

Commendable youth empowering trainings were conducted in the Northern red Sea and Gash Barka regions, youth organizations in both regions reported.

Massawa/Barentu, 05 January 2018 - Commendable youth empowering trainings were conducted in the Northern Red Sea and Gash Barka regions, youth organizations in both regions reported.

In a meeting the youth organizations conducted in their respective regions, it was stated that the trainings provided to youth were aimed at enhancing the professional and political awareness of the youth, and that various workshops were organized to students and youth civil servants.

Head of the Youth association in the Northern Red Sea region Mr. Idris Osman indicated that this New Year, vocational trainings provided to youth will be enhanced and that to increase the economic capacity of the youth a micro credit opportunities will be provided and reminded stakeholders to enhance their contribution in the success of chartered out programs.

Head of the NUEYS’ Central Office Mr. Okubai Berhe on his part stated that to build a youth well equipped with knowledge and skills an integrated work of governmental institutions and front as well as an enhanced participation of the youth is paramount.

In the Gash Barka region, Head of Politics and organization in the Gash Barka Youth branch, Mr. Marikos Ghirmatsion on his part stated that the program initiated to expand youth organization to the level of administrative areas will be extensively implemented.

Secretary of PFDJ branch in the Gash Barka region, Mr. Rezene Adonai on his part said that an enhanced effort should be exerted on increasing organizational capacity and the creation of youth centers to increase the role and contribution of the youth in all national drives.

Harat Transportation Company expanding service

Shabait -

As part of the endeavor to expand transportation service through out the country, the Harat Transportation Company has begun providing service from Adi-Quala to Fiki-Chekemte, Southern region.

Asmara, 05 January 2018- As part of the endeavor to expand transportation service through out the country, the Harat Transportation Company has begun providing service from Adi-Quala to Fiki-Chekemte, Southern region.

The head of operation at the company, Mr. Tsegehans Yitebarek indicated that the beginning of the transportation service to Fiki-Chekemte is to alleviate the transportation service that existed in the area and called on the public to conduct regular maintenance activities in order to ensure its sustainability.

Mr. Ahmed Ali-Shum on his part indicated that the bus that is allocated to the area will provide transportation service from and to Adi-Quala-Fiki-Chekemte three times per day.

The beneficiaries on their part indicated that with the deployment of the bus with a fair tariff, the existed transportation problem they have being experiencing will be alleviated. They also expressed readiness to presume responsibility to ensure its sustainability.

Praiseworthy social service provision

Shabait -

The residents of Robrobia, Foro sub-zone indicated that the regrouping of their villages has enabled them become beneficiaries of social services.

Massawa, 05 January 2017- The residents of Robrobia, Foro sub-zone indicated that the regrouping of their villages has enabled them become beneficiaries of social services.

The administrator of Robrobia administrative area, Mr. Mohammed Ibrahim pointed out that the health and education facilities as well as the potable water supply put in place are providing commendable service to the residents.

Mr. Mohammed also said that forestation program will be priority task for 2018 and called for machinery assistance for the development of agricultural activities.

ውሽጣዊ ምትፍናን ኤርትራን ሱዳንን ይብእስ ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena -

Radio Erena: 05 January 2018

ግብጺ፣ ኣብ ኤርትራ ወትሃደራዊ ኣጽዋርን ክኢላታትን ኣዋፊራ ኣላ ዝብል ዜና ኣብ ዝጋዋሓሉ ዘሎ እዋን፣ ሱዳን ሓይልታት ጸጥታኣ ናብ ከባቢ ከሰላ ተዋፍር ከምዘላ ወትሃደራውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብ ዞባ ከሰላ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ ዘሎ መንግስቲ ሱዳን፣ ናብቲ ከባቢ ሰራዊትን ሓይልታት ጸጥታን ምውፋሩ ምስቲ ካብን ናብን ሱዳንን ኤርትራን ዝካየድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰብን ኣቑሑን ዝተሓሓዝ ምዃኑ ሓያሎ ወገናት ይገልጹ።

ኡጋንዳ፣ ካብ እስራኤል ንዝስጎጉ ሓተቲ ዑቕባ ንምቕባል ዝኾነ ስምምዕ ከምዘይከተመት ገሊጻ

Radio Erena -

Radio Erena: 05 January 2018

ኡጋንዳ፣ ካብ እስራኤል ንዝስጎጉ መብዛሕቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባ ንምቕባል ዝኾነ ስምምዕ ከምዘይከተመት ገሊጻ።

ሚኒስተር ዴታ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ኡጋንዳ ሄንሪ ኦርየም ኦኬሎ ንማዕከን ዜና ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኡጋንዳ ካብ እስራኤል ዝተሰጉ ሓተቲ ዑቕባ ክትቅበል'ያ ዝብል ዜና ከምዘገረሞ ብምግላጽ፣ ብወገን ኡጋንዳ ዝኾነ ሓቅነት ከምዘይብሉ ኣረዲኡ።

ሚኒስተር ዴታ ኡጋንዳ ነዚ ዝገልጽ ዘሎ፣ መንግስቲ እስራኤል ክሳብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዘሎ 90 መዓልታት፣ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ሓተቲ ዑቕባ ክወጹ ወይ ድማ ንዘይተወሰነ እዋን ክእሰሩ ዝብል ውሳኔ ንምትግባር ኣብ ዝሰርሓሉ ዘሎ እዋን'ዩ።

Pages

Subscribe to shekortet.com aggregator - Eritrea