Eritrea

ብጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኹ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ በጺሑ

Radio Erena -

Radio Erena: 08 January 2018

መንግስቲ ሱዳን ምስ ኤርትራ ዘዳውባ ከባቢታት ከምዝዓጸወ ብወግዒ ድሕሪ ምፍላጡ፣ ብጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኹ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝሰደደ ማዕከናት ዜና ካብታ ከተማ ሓቢረን።

እቲ ብሌተናት ጀነራል ዒማድ ኣል ዲን ሙስጠፋ ዓዳዊ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ሱዳን፣ ብሰኑይ 8 ጥሪ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምእታዉ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ምስ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ወትሃደራውያንን ናይ ጸጥታ ሰበ ስልጣንን መንግስቲ ኢትይጵያ ብምርኻብ ብዛዕባ ህሉው ምዕባለተት ሱዳን-ግብጺ-ኤርትራ ብዝምልከት ከምዝተዘራረበ ወትሃደራውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

'ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ንህወሓት ኣበይ ኣብጽሕዋ?' ዘርእስቱ ክትዕ ኣማኑኤላት ኣብ ቪኦኤ (2ይ ክፋል)

VOAnews Tigrigna -

ድሕሪ ናይ 35 መዓልታት ኣኼባ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ስዒቡ ዝተተግበረ ምትዕርራይን ኣቶ ኣማኑኤል ኣለማየሁ ‘ጠንቂ ፓለቲካዊ ቅልውላው ኢትዮጵያን ኣንፈት ኣፈታትሕእኡን’ ዝብል ገምጋማዊ ጽሑፍ ከምዘቅረበ ዝዝከር’ዩ። ጸሓፋይ ኣማኑኤል ኣለማየሁ ተጋዳላይ ህወሓት ዝነበረ ሎሚ ኣብ ኣዲሳበባ ኣብ ናይ ውልቀ ስራሕ ተዋፊሩ ዝርከብ ሰብ’ዩ። ካልኣይ ጋሻና ኣቶ ኣማኑኤል ገብረትንሳኤ ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ህወሓት ኣብ መቐለ እዩ። ኣማኑኤል ኣለማየሁ ‘ድሕሪ ውድቀት ደርጊ፣ ሓባራዊ መሪሕነት እናሞተ፣ እቲ ዕድል ዝህብ ህወሓት እናደኸመ እዩ ከይዱ’ ይብል። ኣማንኤል ወሲኹ ‘ህወሓት ቅድሚ ሕዚ ናይ መሪሕነት ምልመላ ስርዓት ነይሩዎ፣ ስርዓት ስልጠና ነይሩዎ፣ ስርዓት ምልመላን ስልጠናን ካድረ ነይሩዎ፣ ነዚ ስርዓት’ዚ እዩ ኣጥፊእዎ ዝብል ዝለኹ’ውን’ ይብል። ኣማኑኤል ገብረትንሳኤ ብወገኑ ‘ውድብ ባዕሉ ገምጊሙ ኣብ ተሃድሶ ከምዘሎ ንሪኦ ኣለና። እቲ ነጥቢ ኣማኑኤል ኣለማየሁ ቅድመን ድሕረን 93 ዓም ብዝብል ምጽሓፉ’ዩ። ምስ ዘይነጻጸር ኣይነነጻጽር ኢና ዝብል ዘለኹ። ቅድሚኡ ዝነበረ ኣገባብ ቃልሲ ካልእ’ዩ፣ ድሕሪ ዘሎ ቃልሲ ካልእ’ዩ’ውን ይብል።  

ናይ ኢትዮጵያ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኩላቶም ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ክፍትሑ ጸዊዑ

VOAnews Tigrigna -

ናይ ኢትዮጵያ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት (ሰመጉ) መንግስቲ ንዲሞክራስን ሃገራዊ ምርድዳእን ዘለዎ ቆራጽነት ንኹሎም ናይ ሕልናን ፖለቲካን እሱራት ብምፍታሕ ንኸረጋግጽ ጸዊዑ። ሰመጉ ትማሊ አማስይኡ ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ጽሑፍ መግለጺ ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ዝተመርኾሰን ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ዝተዋህበ ምኳኑ ይሕብር። መንግስቲ ኣብዚ መግለጺኡ ንእሱራት ፖለቲካን ሕልናን ንምፍታሕ ልዕሊ 40 ዓመታት ቦታ ስቅያት ዜጋታት ኾይኑ ዝጸንሓ ማእከላዊ ምርመራ ንምዕጻው ዘርእዮ ተበግሶ ክተባባዕ ይግባእ ኢሉ ከምዝኣምን ገሊጹ። በዚ መዳይ መንግስቲ ብቅንዕናን ብዘይ ኣድልዎን ብሕላነን ፖለቲካዊ መኽሰብን፡ ንኹሎም እሱራት ፖለቲካን ሕልናን ነጻ ንምግባር ንዲሞክራሲያዊ ሃገራዊ ምርድዳእ ዘለዎ ቆራጽነት የረጋገጽ ክብል ኣስሚሩ’ሉ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።  

ሱዳን ምስ ዶብ ኤርትራ ዘሎ መተሓላለፊ መስመራት ክዕጾ ከምዝአዘዘት ተገሊጹ

VOAnews Tigrigna -

ገዛኢ ከተማ ከሰላ ሱዳን ምስ ዶብ ኤርትራ ዘሎ መተሓላለፊ መስመራት ክዕጾ ከምዝአዘዘ መንግስታዊ መሓውራት ዜና ሱዳን ሱና ሓቢሩ። ብመሰረት ሓበሬታ ሱና እቲ ምዕጻው ኸም አካል ናይቲ ኣንጻር ዘይሕጋዊያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ኣብ ግዝኣታት ሰሜን ኩርዳፍን ከሰላን  ዝተአወጀ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ህጹጽ ጊዜ አዋጅ ፕረዚደንት ዑመር ኣል በሸር ምዃኑ'ዩ። እቲ ኣዋጅ አካል’ቲ ኣብ ዳርፉር፡ ብሉ ናይልን ዝተጀመረ አንጻር ዘይሕጋዊያን ኣሰጋገርቲ ሰባት ዝካየድ ዕጥቂ ምፍታሕ’ዩ ክብል'ውን እቲ ኣገልግሎት ዜና ይሕብር። ወታሃደራት ኣብቲ ዶብ ከምዝተመደቡ ሰለስተ ነበርቲ ከተማ ከሰላ ንኣገልግሎት ሮይተርስ ሓቢሮም ኣለው።

ናይ ፈረንሳይ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ስትራቴጂካዊ ሽርኽነት ንምምዕባል ኣብ ቻይና ወግዓዊ ምብጻሕ ይፍጽሙ

VOAnews Tigrigna -

ናይ ፈረንሳይ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ቻይና ትሃንፆ ኣብዘላ ግዙፍ ተበግሶን ፕሮጀክትን ‘’Belt and Road’’ ቻይናን ኣውሮጳን ብሓባር ክሰርሓ ኣለወን ኢሎም።ንሶም ነዚ ዝበሉ ሎሚ ሶኑይ ኣብ ዝጀመርዎ ናይ ቻይና ወግዓዊ ዑደት እዮም።  ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን  ነዚ ዑደቶም ኣብ ምብራቕ ቻይና ኣብ ዝርከብ ጥንታዊ መተሓላለፊ መስመር ሽያን ኣብ ዝርከብ ቤተ መዘክር ዑደት ብምፍፃም ጀሚሮም ኣለው። ንሶም ንነጋዶ፣ምሁራንን ተማሃሮን ኣብዘስምዕዎ መደረ እዚ ይህነጽ ዘሎ ዘመናዊ መንገዲ ‘’Silk Road‘’ ናይ ቻይናዊያን ጥራሕ ኣይኮነን ኢሎም። “እቲ መንገዲ ዝሓልፈለን ሕድ ሕድ ሃገራት መንገድታት ፍልጠትን ብልሕን ዝኾነሉ፣ስቪል ማሕበረሰብ፣ክእለት፣ናይ ምምሃዝ ዓቕሚ ዝዕምበለን ሃገራት ክኾና ኣለወን።”                   ድሕሪ ናይ ሰለስተ መዓልታት ናይ ሺያን ዑደቶም ማክሮንን ምስ ዝመርሕዎም ላዕለዎት ፈፀምቲ ንግድን ሰበስልጣን መንገድታትን ኣብ ቤጂንግ ክበፅሑ እዮም።  ፕረ. ማክሮን ኣብ ፀረ ግብረ ሽበራን ለውጢ ኩነታት ኣየርን ዝኣመሰሉ ጉዳያት ናይ ቤንጂንግ ስትራተጂያዊ ምሕዝነት ክህልው ዘለዎም ድልየት'ውን ገሊጾም።ብተወሳኺ ናይ ፓሪስ ስምምዕ ኩነታት ኣየር ኣብ ግብሪ ኣብ ምውዓል ምሕዝነት ፕረዚደንት ሺን ዢንግፒንግ ከምዘድልይ ሓቢሮም።  እቲ ናይ ‘’Belt and Road’’ፕሮጀክት ኣብ 2013 ዓ.ም ወግዓዊ ክኸውን ከሎ ዕላምኡ ንቻይና ምስ ደቡብ ምብራቕ ኢስያ፣ፓኪስታን፣ማእከላይ ኤስያ ካብኡ ሓሊፉ ምስ ማእኸላይ ምብራቕ፣ኣውሮጳን ኣፍሪቃን ብመንገድን ብባሕርን ንምርኻብ እዩ። ፕረዚደንት ሺ ነቲ ፕሮጀክት 124 ቢሊዮን ዶላር ንምምዳብ ቃል ኣትዮም፤ ምዕራባዊያን ሃገራት ነቲ ፕሮጀክት ብጥርጣረ ይረአ፤ብልፅግና ንምስፍሕፋሕ ከይኮነስ ናይ ቻይናዊያን ፅልዋ ንምሕያል እዩ ይብል። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።  

ኣሰልጣኒ ኣርሰናል ቨንገር ኣብ ልዕሊ ጆርጅ ዊያ ኣድናቖቱ ይገልጽ

VOAnews Tigrigna -

ኣሰልጣኒ እንግሊዛዊት ክለብ ኣርሴናል ኣርሰን ቨንገር: ህይወት ላይበርያዊ ብሉጽ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዝነበረን ሎሚ ድማ መራሒ ሃገር ላይበርያ ኮይኑ ዝተመርጸ ጆርጅ ዊያ: ክትኣምኖ ዘጸግም ንኹሎም ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ድማ ኣብነታዊ'ዩ ክብል ገሊጹዎ። ቨንገር ነዚ ዝገለጸ: ኣብዚ ቕንያት ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ: ንድሕሪት ተመሊሱ ተዘክሮታቱ ብዛዕባ ኣብዚ ቀረባ ግዜ መራሒ ሃገር ላይበርያ ክኸውን ዝተመርጸ ጆርጅ ዊያ ተሓቲቱ ኣብ ዝመለሰሉ'ዩ። ንሱ ናይ ፈለማ ፍልጠቱ ምስ ጆርጅ ዊያ ኣብ ሞናኮ ምዃኑ ብምጥቃስ: “ክመጽእ እንከሎ ቁሩብ ዝተደናገሮ ይመስል ነይሩ። ንወላ ሓደ ይፈልጥ ኣይነበረን። ከም ተጻዋታይ እውን ደረጃ ዝተዋህቦ ኣይነበረን። ከምኡ ኮይኑ ከብቅዕ: ኣብ 1995 ድማ ብሉጽ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ኮይኑ። ሎሚ ድማ መራሒ ሃገሩ ኮይኑ። ክትኣምኖ ዘጸግም ታሪኽ እዩ” ክብል ገሊጹ። ኣሰልጣኒ እንግሊዛዊት ክለብ ኣርሴናል ኣርሰን ቨንገር ፥ ንጆርጅ ዊያ ኣብ ዝፈለጠሉ ግዜ ኣብ ላይበርያ ኩናት ሓድሕድ ምንባሩ ብምዝካር: ሽዑ “ማዕረ ክንደይ ብሃገሩ ከምዝተጸገመ ርእየዮ ኣለኹ። ከም ካልኣይ ነጥቢ ድማ ኩሉ ግዜ ኣብ ህይወቱ ዝርአ ዝነበረ ፍቕሪ ሃገሩ እዩ። ብደቂ ሃገሩን ካልኦትን ምድንጋጽ የርኢ ነይሩ” ኢሉ። ጆርጅ ዊያ መራሒ ሃገር ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝብል ትጽቢት ኣንቢርካሉ ትፈልጥ ዲኻ ተባሂሉ ቨንገር ኣብ ዝተሓተተሉ ዝሃቦ መልሲ  ኣይፋሉን ዝብል መልሲ ሂቡ። ብመሰረት መግለጺ ቨንገር “ጆርጅ ዊያ  ኣብቲ ግዜ’ቲ መራሒ ሃገሩ ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝብል ግምት ኣይነበረንን: ሎሚ ግን ንድሕሪት ተመሊሰ ክርእዮ ከለኹ ክኸውን ዝኽእል’ዩ ነይሩ” ኢሉ።  “ኣብ ሃገሩ ኩናት ኣብ ዝነበረሉ ክበኪ ርእየዮ ኣለኹ” ዝበለ ኣርሰን ቨንገር “ እዚ ሕጂ ዝተበጽሐ ደረጃ ዘሐጉስ እዮ። ሓጎስ ዝመልኦ መሪሕነት ክኾነሉ ድማ ይምነ። እዚ ሰብዚ ንኹሎም ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ኣብነታዊ ክብል ድማ ይደሊ” ክብል ኣብ ልዕሊ ጆርጅ ዊያ ዘለዎ ኣድናቖትን ሰናይ ምንዮትን ገሊጹ። ህይወት ናይ ጆርጅ ዊያ ናይ ብሓቂ ሰሓቢ’ዩ። ክትኣምኖ ዘጸግም ብምኻኑ ድማ ብሉጽ ፊልም ክትዓየሉ   ትኽእል ኢኻ ኢሉ።   

224 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ተገሊጹ

VOAnews Tigrigna -

84 ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ናብ ወደባዊት ከተማ ካታንያ ኢጣልያ ምእታዎም ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ገሊጹ። እቶም ስደተኛታት ቀዳም ካብ ክትሕል ዝነበረት ንእሽተይ ጀልባ ዝደሓኑ  ምዃኖም ኣብቲ ናይ ህይወት ኣድሕን ስርሒት ሸሞንተ ሬሳታት ከምዝተረኽበ ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ወሲኹ የረድእ።  ኣብቲ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ዘይተሳተፈ ትካል ረድኤት  ተወሳኺ ብዝሒ ዘለዎም ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ስደተኛታት ክሕልው ከምዝኽእሉ ሓቢሩ’ሎ። ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ እቶም ስደተኛታት ኣብ ዓለምለኸ ማያት ሊብያ ህይወት ኣድሕን ስርሒት ብዘኻየድ ትካል ነፋሪት ዝተረኸቡ ምኳኖም ገሊጹ። ወሃቢ ቃል ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ንመራኸቢ ብዙሃን ጣልያን ኣብ ዝሃብዎ ቃል እቶም ህይወቶም ዝሰአኑ ሽሞንተ ስደተኛታት ኩለን ደቂ ኣንስትዮም ምኳነን ገሊጹ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ 140 ስደተኛታት ሎሚ ሶኑይ ካብ ገማግም ባሕሪ ጋርቡሊ ከምዝደሓኑ  ሓቢሩ። ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ካብቶም ስደተኛታት ብዝበጽሖም ጻዊዒት ንረድኤት ናብቲ ቦታ ከምዝበጽሑን እቶም ስደተኛታት ናብ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ከተማ ትሪፖሊ ከምዝተወስዱ ገሊጹ።  ዕጡቓት ሓይልታት እታ ሃገር ንገማግም ባሕሪ ትሪፖሊ ድሕሪ ምቑጽጻሮም ብዙሓት ስደተኛታት ካብ ገማግም ጋርቡሪ ክብገሱ ከምዝጀመሩ’ውን ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ወሲኹ የረድእ። ብተወሳኺ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ትማሊ ሰንበት ሬሳ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ስደተኛታት ዝርከብዎም 250 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ገሊጾም።

224 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ተገሊጹ

VOAnews Tigrigna -

84 ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት ናብ ወደባዊት ከተማ ካታንያ ኢጣልያ ምእታዎም ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ገሊጹ። እቶም ስደተኛታት ቀዳም ካብ ክትሕል ዝነበረት ንእሽተይ ጀልባ ዝደሓኑ  ምዃኖም ኣብቲ ናይ ህይወት ኣድሕን ስርሒት ሸሞንተ ሬሳታት ከምዝተረኽበ ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ወሲኹ የረድእ።

ሩዋንዳን ኡጋንዳን ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ካብ እስራኤል ንምቕባል ከምዘይተሰማምዓ ገሊጸን

VOAnews Tigrigna -

ሩዋንዳን እስራኤልን እቲ ብብዙሓት ትካላት ተሓለቕቲ መሰላት ክንቐፍ ዝቐነየ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ካብ እስራኤልን ንምቕባል ዝብል ሓድሽ ፖሊሲ እስራኤል ንምትግባር ከይዘይተሰማምዓ ገሊጸን። እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኣቶ ሓድሽ ፖሊሲ ናብ ሃገራ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተው እዮም ንዝበለቶም ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ወይ ናብ ሳልሳይ ሃገር ክጣየሱ ብኣሽሓት ዝቑጸር ገንዘብ ከምትኸፍል እዚ ምስ ዘይኸውን ግን ማእሰርቲ ከምዝገጥሞም ኣፍሊጣ ኔራ። ነዚ ንምትግባር ድማ ናይ ሰለስተ ወርሒ ናይ ጊዜ ገደብ ምሃባ ይፍለጥ። መንግስቲ እስራኤል እቶም ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ናበየናይ ሳልሳይ ሃገር ከምዝጣየሱ ብወግዒ እንተዘይሓበረ ከም ሆትላይ ፎር ረፉጂ ዝተባህላ ትካላት ተሓላቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግን ሩዋንዳን ኡጋንዳን ነቶም ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ካብ እስራኤል ንምቕባል ከምዝተሰማምዓ ክሕብራ ጸኒሓን እየን። እንተኾነ  ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ሩዋንዳ ኦሊቨር ኑዱሁኒግረህ “ሩዋንዳ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ንምቕባል ዝኾነ ዓይነት ስምምዕ ምስ እስራኤል ኣይፈጸመትን” ኢሎም። ብተመሳሳሊ ናይ ሩዋንዳ መዘነኦም ሚንስትር ኦኬሎ ኦረም ብወገኖም  “ ስደተኛታት ንምቕባል ዝብል ኣብ መንጎ መንግስታት ኡጋንዳን እስራኤልን ዝተፈረመ ዝኾነ ዓይነት ስምምዕ የለን” ኢሎም። ብተወሳኺ ንሶም ዝኾነ ነዚ ብምጽራር ዝዝርጋሕ ዜና ድማ “ናይ ሓሶት ዜና…. ምሉእ ብምሉእ ዘይረብሕ”እዩ ክብሉ ገሊጾም። መብዛሕትኦም ኣብ እስራኤል ዝርኸቡ ስደተኛታት ካብ ኤርትራን ሱዳን ናብ እስራኤል ዝኸዱ ኮይኖም ኣብ ሃገራቶም ካብ ዘሎ ስቕያት፡ኩናትን ቁጠባዊ ጸገምን ከምልጡ ዝተሰደዱ ኽኮኑ ከለው እስራኤል ግን ንኩሎም ናይ ቑጠባ ስደተኛታት እዮም ትብል። ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾኑ ትካላት እስራኤል ንመስርሕ መሕትት ዑቕባ ስደተኛታት ብምድንጓይን ብፖሊሲ ብምምስማስ ክትነጽግ ብምጽንሓ ይነቕፉ።

Western Development Zone: Activity assessment meeting

Shabait -

The Western Development Zone conducted an assessment meeting of the programs implementation of 2017 with integrated efforts of the public, EDF, Bidho and Segen Construction Companies, Training Center of EDF, Crops and Livestock Corporation as well as the regional administration and others and on charted out programs for 2018.

Barentu, 08 January 2018- The Western Development Zone conducted an assessment meeting of the programs implementation of 2017 with integrated efforts of the public, EDF, Bidho and Segen Construction Companies, Training Center of EDF, Crops and Livestock Corporation as well as the regional administration and others and on charted out programs for 2018.

According the report presented it was indicated that construction and maintenance of dams, micro-dams, water wells, bridges, roads, social service provision institutions as well as potable water projects worth about 49 million Nakfa and in which more than 165 thousand of people participated were implemented.

Indicating that commendable coordinated efforts have been demonstrated in the implementation of projects with internal capacity, the Coordinator of the Western Development Zone, Brig. Gen. Tekle Kiflai said that the experience accumulated will have significant contribution in the implementation of future big projects.

Brig. Gen. Teklai called on all concerned bodies for strengthening land management, maintenance and improvement of social service provision institutions, forestation program as well as boosting agricultural production.

Geez Christmas celebrated nationwide

Shabait -

Geez Christmas was celebrated nationwide on 7 January 2018, in Sawa National Service Training Center.

Sawa, 08 January 2018 - Geez Christmas was celebrated nationwide on 7 January 2018, in Sawa National Service Training Center.

At the event that was organized in cooperation with the Ministry of Information and the Sawa National Service Training Center and in which commanders and staff members of the center and other invited guests were present, Col. Debesai Gide, Commander of the Center, expressing appreciation for organizing the celebration in Sawa wished a merry Christmas to the Eritrean people inside the country and abroad.

The occasion was highlighted by music and artistic performance by the Sawa musical troupe and other musicians and artists.

Seminar on enhancing quality education

Shabait -

The D. G. of General Education in the Ministry of Education, Mr. Musa Hussien Naib stated that integrated effort has paramount contribution in developing the teaching and learning process as well as in providing quality education.

Barentu, 08 January 2018 – The D. G. of General Education in the Ministry of Education, Mr. Musa Hussien Naib stated that integrated effort has paramount contribution in developing the teaching and learning process as well as in providing quality education. He made the comment at a meeting he conducted with sub-zonal administrators and heads of education branches in the Gash Barka region.

Indicating that the outcome of the investment made in education should be measured in comparison with the achievements registered; Mr. Musa gave extensive briefing on the effort being exerted to enhance the quality and expansion of education and on the achievements so far registered.

The coordinator of the Eighth Grade National Examination in the Ministry of Education, Mr. Kifle Mokonnen on his part, presented a report on the national eighth grade examination and the outcome registered as well as on strengths and weaknesses witnessed.

The participants conducted extensive discussion on the report presented.

Contribution in support of disadvantaged citizens

Shabait -

The business owners in Dubaruwa contributed 21 thousand Nakfa in support of orphans and disadvantaged citizens.

Mendefera, 08 January 2018- The business owners in Dubaruwa contributed 21 thousand Nakfa in support of orphans and disadvantaged citizens.

The business owners underled that supporting disadvantaged citizens is not to left only for the Government and Front and that is the responsibility of every citizen. The also pledged to sustainably continue their contribution.

Speaking at the occasion, the head of the Ministry of Labor and Human Welfare branch in the sub-zone, Mr. Fesehaye Werede indicated that the public and business owners in Dubaruwa town have been taking initiatives to support the disadvantaged citizens and called for sustainability of the contribution.

Mr. Fesehaye also said that the zonal administration has been extending support for the identified disadvantaged citizens and that there is plan for creating job opportunities.   

ምምሕድር ትራምፕ፣ ኤርትራ እትርከበን 10 ሃገራት ብምግሃስ መሰል ሃይማኖት ይወቅስ

Radio Erena -

Radio Erena: 08 January 2018

ምምሕዳር ትራምፕ ኤርትራ እትርከበን 10 ሃገራት መሰል ሃይማኖታት ብኸቢድ ይግህሳ ኣለዋ ክብል ወቒሱ።

ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብሓሙስ 4 ጥሪ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ እተን ብምግሃስ መሰል ሃይማኖታት መወዳድርቲ ዘይብለን 10 ሃገራት ኢሉ ዝረቑሐን ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ኢራን፣ ቡርማ፣ ቻይና፣ ሰሜን ኮርያ፣ ታጂኪስታን፣ ቱርኪመንስታንን ኡዝበኪስታንን'የን።

ርዋንዳን ኡጋንዳን፣ ካብ እስራኤል ንዝስጎጉ ሓተቲ ዑቕባ ንምቕባል ዝኾነ ስምምዕ ከምዘይከተማ ገሊጸን

Radio Erena -

Radio Erena: 08 January 2018

ርዋንዳ ካብ እስራኤል ንዝስጎጉ መብዛሕትም ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ሓተቲ ዑቕባ ንኽትቅበል ምስ መንግስቲ እስራኤል ዝበጽሓቶ ስምምዕ ከምዘየለ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኦሊቭየ ኑድሁንግርየ ገሊጹ።

ንሱ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ መንጎ ሃገሩን እስራኤልን ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ኣቢሉ ዝተጀመረ ዝርርብ ከምዝነበረ ብምርግጋጽ፣ ኣብ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ከምዘይተበጽሐ ግና ኣስሚርሉ።

ኣቐዲማ'ውን ኡጋንዳ ካብ እስራኤል ንዝስጎጉ ሓተቲ ዑቕባ ንምቕባል ምስ እስራኤል ዝበጽሓቶ ስኾነ ስምምዕ ከምዘየለ ምግላጻ ይዝከር።

ሱዳን ምስ ግብጺ ዘለዋ ወጥሪ ተጋድድ ኣላ ክብሉ ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ወቒሶም

Radio Erena -

Radio Erena: 08 January 2018

መንግስቲ ሱዳን ብጉዳይ ዶብ ሓላይብ ምስ ግብጺ ንዘለዎ ምስሕሓብ የጋድድ ኣሎ ክብሉ ኣባላት ባይቶ ግብጺ ንማዕከናት ዜና ዓረብ ኣብ ዝህብዎ ዘሎ መግለጺታት ወቒሶም።

እቶም ኣባላት ባይቶ ነዚ መግለጺታት ዝህቡ ዘለዉ፣ መንግስቲ ሱዳን ብሓሙስ 4 ጥሪ ኣብ ካይሮ ንዝነበረ ኣምባሳደሩ ድሕሪ ምስሓቡ'ዩ።

መንግስቲ ሱዳን ኣብ ግብጺ ዝርከብ ኣምባሳደሩ ናብ ካርቱም ዝጸውዖ፣ ተወሳኺ ምምኽኻር የድሊ ኣሎ ብዝብል ጉልባብ እኳ እንተኾነ፣ እቲ ስጉምቲ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ዝጸንሕ ልሕሉሕ ዝምድና ናብ ምብታኽ ገጹ የምርሕ ከምዘሎ ዝንፍት ምዃኑ ተንተንቲ ፖለቲካ የረድኡ።

Dear friends and readers of Awate.com

Awate -

The political situation in the immediate neighborhood of Eritrea is becoming increasingly risky, and the situations inside Eritrea are calling on all citizens to do their utmost to stop the regime that continues to destroy the fabric of our society.  There have been episodic resistances in that regard, the most recent being the firm stand…

መንግስቲ ሱዳን ምስ ኤርትራ ዘዳውቦ ከባቢታት ዓጽዩ

Radio Erena -

Radio Erena: 07 January 2018

መንግስቲ ሱዳን ምስ ኤርትራ ዘዳውቦ ከባቢታት ከምዝዓጸዎ፣ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን።

ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝተዘርገሐ ዜና፣ ኣመሓዳሪ ዞባ ከሰላ ነቲ ዝተዘርገሐ ዜና ናይ ኣሉታ መልሲ ሂቡሉ’ኳ እንተነበረ፣ ትማሊ ቀዳም 6 ጥሪ ምስ መንግስታዊ ማዕከን ዜና’ታ ሃገር ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፣ ካብ ፕረዚደንት ብዝመጾ ትእዛዝ መሰረት፣ ካብ ዕለት 5 ጥሪ ምሸት ጀሚሩ፣ እቲ ምስ ኤርትራ ዘራኽብ ደቡባዊ ምብራቕ ዶብ ሱዳን ከምዝተዓጽወ ኣፍሊጡ።

Pages

Subscribe to shekortet.com aggregator - Eritrea