Eritrea

ቡሩንዳዊያን ፅባሕ ረቡዕ ፕሬዝዳንቶም ክመርፁ እዮም

VOAnews Tigrigna -

ስግኣት ኮሮናቫይረስ ኣብ ቦትኡ እንተሃለወ እውን ቡሩንዳዊያን ሓዱሽ ፕሬዝዳንት ንምምራፅ ፅባሕ ረቡዕ ከድምፁ እዮም።  ቡሩናዳዊያን ናይታ ሃገር ሓዱሽ ፕሬዝዳንት፣ኣባላት ፓርላማን ከባቢያዊ ሰበስልጣንንንምምራፅ ፅባሕ ረቡዕ ድምፆም ክህቡ እዮም።ስግኣት ለበዳ ኮሮናቫይረስን ክስታት ዓፈናመረፅቲን እውን ከምዘሎ እዩ ዝግለፅ ዘሎ።  እቲ ስኽፍታ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካን ሕቡራት መንግስታትን ኣብ ቡሩንዲ ነፃ፣ኣሳታፊ፣ሚዛናዊ፣ግልፅን ተኣማንን ምርጫ ንምክያድ ሓይልታት ምክልኻልን ፀጥታን ከምኡ እውንብመንግስቲ ዝውነና መራኸቢ ማዕኸናትን ዝተረጋግአን ሰላማውን ሃውህው ክፈጥሩብቕድሚ ትማሊ ሰንበት ናይ ሓባር መግለፂ ከውፅኡ ገይሩዎም እዩ።  ናይ ቡሩንዲ ምርጫ ብመግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ንዝኽሰሱን ቅድሚ ሓሙሽት ዓመት ነታ ሃገር ናብ ቁጠባዊ ቅልውላው ዘእተዋ ንሳልሳይ ዙር ኣብ ስልጣን ክፀንሑ ኣሰሓሓቢ ስጉምቲ ካብ ዝወሰዱን ካብ ናይ ፕሬዝዳንት ፒየር ኩሩንዚዛ ናይ 15 ዓመታት ስልጣን ነታ ሃገር ንምንጋፍፈላማይ ስጉምቲ እዩ።   ንናይታ ሃገር ገዛኢ ፓርቲ ብምውካል ፕረዝዳንታዊ ሕፁይ ኮይኖም ዘለው ጀነራል ኢቫርስተደይሺምየ ካብቶም ካልኦት ሽዱሽተ ሕፁያት ቅድሚት ይመርሑ ከምዘለው ይግለፅ።  እቶም ጀነራል ኣምላኽ ንቡሩንዲ ይፈትዋ እዩ፤ኮሮናቫይረስ ዝሓዞም ሰባት እንተሊዮም እውን ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ብሩንዲ ዘለዎ ሓይሊ ንምርኣይ ክኸውን ይኽእል እዩ ክብሉ ኣድመፅቲንኮሮናቫይረስ ክፈርሑ ከምዘይብሎም ተዛሪቦም።  መራሕቲ ንስግኣት ኮሮናቫይረስ ዕሽሽ ብምባል ክሳብ መወዳእታ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ናይ መለዓዐሊ ኣኼባታት ፈቒዶም እዮም፤ናይ ህዝቢ ምንቅስቓሳት እውን ኣይደረቱን።  መንግስቲ መብርሂ ከይሃበ ንኣርባዕተ ላዕለዎት ሰበስልጣን ውድብ ጥዕና ዓለም ካብታ ሃገርኣባሪሩ እዩ።  ቡሩንዲ ዛጊድ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ 42 ዝሞተ ድማ ሓደ ሰብ ኣረጋጊፃ ኣላ።ገለ ዶክተራት ግን መንግስቲ እቲ ቫይረስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ይፈጥሮ ዘሎ ምሉእ ፅልዋ ኣይዛረብን ዘሎ ክብሉስኽፍትኦም ይገልፁ ኣለው።

ኣብ ወደብ ጅቡቲ ንኢትዮጵያ ይውሃብ ዝነበረ ኣግልግሎት ጠጠው ከምዝበለ ተፈሊጡ

VOAnews Tigrigna -

ኣብ መንጎ ካብ ኢትዮጵያ ዝወፅእን ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትውን ኣቑሑት ዘመላልሱ ዘወርቲመኪናን ሓይልታት ፀጥታ ጅቡቲን ብሰንኪ ዝተልዓለ ምስሕሓብ ኣግልግሎት መጎዓዚያጠጠው ከምዝበለ ማሕበራት ሰብ ንብረት መጎዓዚያ ኢትዮጵያ ገሊፆም። ብዝተፈጥረምስሕሓብ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኢትዮጵያዊ ዘዋሪ መኪና ጉድኣት ከምዝወረደ ወኪል ናይቲማሕበር ሓቢሮም።  ኣብ ጅቡቲ ናይቲ ማሕበር ተወካሊ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ኣብ ተርሚናል ወደብ ጅቡቲምፅባባት ስለዝተፈጥረ ኢትዮጵያዊያን ዘወርቲ መኪና ቅሬታ ኣብዘቕረብሉ እዋን ምስሓይልታት ፀጥታ ጅቡቲ ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኢትዮጵያዊያ ዘዋሪ መኪና ጉድኣት ወሪዱ ኣሎ ኢሎም።  እቶም ዘወርቲ መኪና ነዚ ብምቅዋም ኣድማ ብምግባር ናብ ወፃኢ ዝልኣኽ ዝፀዓና መካይንጠጠው ኢለን ከምዝርከባን ኣብ ልዕሊ እቲ ዘዋሪ ጉድኣት ዘውረደ ኣባል ፀጥታ ጅቡቲ እውንኣብ ቁፅፅር ምውዓሉ ሓበሬታ ከምዝለዎምን እቶም ተወካሊ ሓቢሮም።  ኢትዮጵያዊያን ዘወርቲ መካይን ኣብ ወደብ ጅቡቲ ኣቑሕት ንምፅዓንን ንምርጋፍን ብዙሕገልታዕታዕ ከምዝወርዶም እውን ወሲኾም ሓቢሮም።   ካብ ትማሊ ጀሚሩ ንውሽጢ ሃገር ዝውዕል ቀረብ ዝፀዓና መካይን ጠጠው ምባለን ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ምስ ሰበስልጣን ጅቡቲ ምዝርራቦም ገሊፆም ኣለው።ኣብቲ ዝርርብ ኢትዮጵያዊያን ዘወርቲ መኪና ብወኪሎም ኣቢሎም ምስታፎም ዝገለፁ ኣብጅቡቲ ወኪል ማሕበር ወነንቲ መጎዓዚያ ኢትዮጵያ ኣቶ ሙሉቀን ብርሃኑ ዝተቛረፀ ኣገልግሎት መጎዓዚያ ስርሑ ክጅምር እዩ ኢሎም።        

ፈላማይ ብርሕቐት ዝካየድ ጉባኤ ውድብ ጥዕና ዓለም ይቓናዕ'ሎ

VOAnews Tigrigna -

ንፈለማ እዋን ብርሕቐት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ጥዕና ዓለም ዝሳተፉ ዘለዉ መራሕቲ ዓለም፥ ንለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምስዓር ሓድነት ክህሉ ጸዊዖም። ፕረዚደንት ትራምፕ ድማ ንውድብ ጥዕና ዓለም ዝገበሮ ምቁራጽ ባጀት ካብ ግዚያውነት ናብ ቀዋምነት ክሰጋገር ከም ዝኽእል የጠንቅቕ ኣሎ። ነቲ ብርሕቐትዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ጥዕና ዓለም ዝኸፈቶ ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ፥ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ኩሉ ጠጠው ክነብሎ እንተዘይክኢልና ንመጻኢ ኣብ ፍርሕን ምሽቁራርን  ክነብር ኢና ክብል ኣጠንቂቑ። ንውድብ ጥዕና ዓለም ዓለማዊ ድጋፍ ዝጸውዐ ጉተረዝ ኣብ ቃልሲ ጸረ ለበዳ ዘለዎ መሪሕነት መተካእታ ዘይብሉ`ዩ ብምባል፥ ነተን ገና ኣብ ምምዕባል ዘለዋ ሃገራት ንምሕጋዝ ተወሳኺ ገንዘብ የድልዮ`ሎ ኢሉ። “ ስርዓተ ጥዕናና ማዕረ`ቲ ምሕያሉ ድኹም`ውን`ዩ። ነቲ ዘይማዕበለ ዓለም ምሕላው ማለት፥ ልግሲ ወይ ረድኤት ናይ ምሃብ ጉዳይ ኣይኮነን፣ ረብሓኻ ምሕላው`ዩ፡ ንኮቪድ-19 ፥ እቲ ሰሜናዊ ዓለም ክስዕሮ እንተደኣ ኾይኑ ፥ ደቡባዊ ዓለም`ውን ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ክስዕሮ ኣለዎ። " ውድብ ጥዕና ዓለም ንኣተሓሕዛ ቅልውላው ቫይረስ ኮሮና ብዝምልከት ብምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ከቢድ ተግሳጽ`ዩ ተሸሚሙ ዘሎ። ኣሜሪካ ንውድብ ጥዕና ዓለም ናብ ቻይና ዝወገነ’ዩ ብምባል ትህቦ ገንዘብ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚራ ኣቋሪጻቶ`ያ። ሕጂ ምናልባት እቲ ግዚያዊ ምቁራጽ ገንዘብ፥ ቀዋሚ`ውን ክኸውን ኸምዝኽእል ትራምፕ የጠንቅቕ ኣሎ። ኣብቲ ናይ ርሕቐት ዋዕላ ዝሳተፍ ዘሎ ፕረዚደንት ቻይና ዚ ዚንፒንግ ብወገኑ፥ ነቲ ቻይና ሓቢኣቶ`ያ ዝብል ክሲ ኣመሪካ ብምንጻግ ህዝብና ብዝገበሮ ጻዕርን ዝኸፈሎ መስዋእትን`ዩ ነቲ ማዕበል ቀይርዎ ብምባል ሃገሩ ቻይና ብግልጽነት ከምዝሰርሐት ተዛሪቡ። " ብኽፉት ግልጽነትን ሓላፍነትን ኢና ክንሰርሕ ጸኒሕና። ኣብ እዋኑ ንውድብ ጥዕና ዓለምን ንዝምልከተን ሃገራትን ሓበሬታ ሂብና ኢና። ባህርያት`ቲ ቫይረስ`ውን ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ሓቢርና። ናይ ምቁጽጻርን ክንክንን ተመክሮና ብዘይ ምዕቃብ ንዓለም ኣካፊልና። " ኣተሓሒዙ፥ ንውድብ ጥዕና ዓለምን ንዳይሬክተሩ ቴድሮስ ኣድሓኖምን ዘለና ድጋፍ ንምግላጽ ኣብ ዝቕጽል ክልተዓመት ኣንጻር ኮቪድ 19 ንዝካየድ ቃልሲ ንምድጋፍ 2 ቢልየን ዶላር ክነበርክት ኢና ኢሉ። ናይ ፈረንሳ ፕረዚደንት ኤማኑኤል ማክሮን ድማ ኣብ ምውጋእ ኮቪድ 19 ውድብ ጥዕና ዓለም ዘለዎ ናይ ምውህሃድ ተራን ተመክሮን ከምዝድግፍ ብምግላጽ ፈረንሳ ንውድብ ጥዕና ዓለም ተዋጽኦ ገንዘብ ከምትውስኽ ኣፍሊጡ። ንክታበት ኮቪድ 19 ኣብ ምፍታሽን ምጽናዕን ድማ  ሃገሩ  ምስ ኩሎም መሻርኽቲ ከም ትተሓባበር ኣፍሊጡ። ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብወገኑ፥ ነቲ ላዕላዋይ ጉባኤ ኣብ ምዕጻዉ ክዛረብ ከሎ ካብ`ዚ ለበዳ እንምሃሮ ትምህርቲ ኣሎ ኢሉ። “ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ናጻ ገምጋም ዘካይድ ኣካል ክነበግስ ኢና። ዝተዓወትናሉን ዝተመሃርናሉን ተመክሮታት ዝግምግም። እዚ ድማ ሃገራውን ኣህጉራውን ምክልኻል ለበዳ ንምምሕያሽ ንሓዋሩ ንኽንዳሎን ንግብረ-መልስን ዝኸውን እማመታት ንምቕራብ ክሕግዘና`ዩ። " እዚ ኾይኑ ግን ፕረዚድነት ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ርኡይ ለውጢ ክገብር ቃል እንተዘይኣትዩ እቲ ንግዚኡ ዝነበረ ምቁራጽ ገንዘብ ንሓዋሩ ክገብሮ`የ ክብል ኣጠንቂቑ`ሎ። ትራምፕ ናብ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፥ ንመረረቱ ዝድግፍ ዝርዝር ነቔፈታታት ዘርዚሩ`ሎ- ካብ መንጉኡ ፥ ኣብ እዋን`ቲ ለበዳ ናብ ቻይና ቀኒንኩም ኔርኩም ብምባል " ኣብ ኣተሓሕዛ`ቲ ለበዳ ብኣኻን ብውድብካን ዝገብርክምዎ ጌጋታት ንዓለምና ከቢድ ዋጋ ኣኽፊልዋ`ዩ " ኢሉ። ትራምፕ ውድብ ጥዕና ዓለም ንቕድሚት ንክስጉም እንኮ መንገዲ፥  ንቻይና ዘይወገነ ምዃኑ እንተኣመስኪሩ ጥራይ`ዩ ኢሉ ። ካብ መንጎ ውድብ ጥዕና ዓለም ጌርዎ ዝብሎ ጌጋ ድማ ፥ ብዛዕባ`ቲ ቫይረስ ዝሃቦ ሓበረታ ዓቢይ ጌጋን መደናገርን`ዩ ኔሩ ዝብል`ዩ። ዶ/ር ቴድሮስ ዝሓለፈ ወርሒ እቲ ምቁራጽ ገንዘብ ምስ ተሰምዐ እቲ ወሳነ የሕዝነና ንሕና ግና በብግዚኡ ሓበረታ ክንዝርግሕ ጸኒሕና ኢና ክብል መሊሱ ኔሩ`ዩ። ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ሎሚ ነቲ ናይ ትራምፕ ደብዳበ ክምልስ ከሎ ድማ ፥ ንቻይና ንምትኹታኹን ኣሜሪካ ካብ ኣህጉራዊ ግዴታታ ንምህዳምን`ዩ ክብል መሊሱ። ትራምፕ ፥ ቻይና ዝተኸተለቶ ግብረ መልሲ ክግምገም ክጽውዕ ጸኒሑ`ሎ- ሕጂ ድማ ኣብ`ዚ ዋዕላ ጥዕና ዓለም፥ ሓደ ናጻን ኣጠቓላልን ገምጋም ክካየድ ዝጽውዕ ውሳነ-ሓሳብ ብሕብረት ኤውሮጳ ተነዲፉ`ሎ። ዶ/ር ቴድሮስ`ውን ነቲ ውሳነ ውዱብ ጥዕና ዓለም ንግልጽነት ተሓታታይነትን ቀጻሊ ምምሕያሽን ቅሩብ`ዩ ብምባል ተቐቢልዎ`ሎ-  ። ፕረዚደንት ቻይና`ውን እንተኾነ፥ ነቲ ኣጠቓላሊ ገምጋም ይገበር ዝብል ሓሳብ ደጊፍዎ`ሎ ግን እቲ ለበዳ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻር ምስ ኣተወ  ይኹን ይብል ።

More contribution to augment National Fund

Shabait -

Contribution by nationals to the effort by the people and Government of Eritrea to combat COVID-19 pandemic is stepping up.

Asmara, 19 May 2020- Contribution by nationals to the effort by the people and Government of Eritrea to combat COVID-19 pandemic is stepping up.

According to report from the Ministry of Health, Nakfa Corporation contributed 100 thousand Nakfa, farmers in Ala and its environs 51 thousand and 462 Nakfa, small businesses in Foro town 38 thousand and 750 Nakfa, Emba-Derho development association 20 thousand Nakfa, Mai-Tera administrative area 20 thousand Nakfa, employees of military garments tailoring firm 20 thousand Nakfa, development committee of Shumanigus Laelai 10 thousand Nakfa, owners of blue building 18 thousand Nakfa, Adi-Wara administrative area 10 thousand Nakfa, owner of Ambesa sweater factory 10 thousand Nakfa, KHF (FIAT) Garage 10 thousand Nakfa, Adi-Godo administrative area 11 thousand 955 Nakfa, Deda administrative area 9 thousand and 32 Nakfa, vegetable farmers in Ginisaba administrative area 10 thousand and 200 Nakfa and Italian teachers in Eritrea 1 thousand and 652 Euros.

Similarly, Ona-Watat administrative area contributed 17 thousand and 645 Nakfa, Kertse-Kemte administrative area 10 thousand Nakfa, Ser’e administrative area 13 thousand Nakfa, owners of mills in Mai-Aini sub-zone 19 thousand and 200 Nakfa, residents of Bealtet administrative area 15 thousand Nakfa, residents of Ginasebe administrative area 10 thousand and 780 Nakfa, residents of Koatit administrative area 24 thousand and 551 Nakfa, Mai-Aini semi-urban center 35 thousand and 961 Nakfa, Kina-Fina administrative area 16 thousand and 335 Nakfa, Kuazien administrative area 10 thousand Nakfa, owners of small businesses in Serhe 14 thousand and 500 Nakfa, Southern Red Sea region administration 6 thousand and 464 Nakfa, employees of Barentu sub-zone administration 8 thousand and 576 Nakfa  and other administrative areas, social service provision institutions and vegetable farmers contributed a total of 157 thousand and 396 Nakfa.

In related news, members of the Eritrean Defense Forces stationed in various parts of the country extended food items and sanitation materials to a number of disadvantaged citizens.

New schools under construction in Forto Sawa sub zone

Shabait -

Two new elementary schools are under construction in Ribda and Alet administrative areas, Forto Sawa sub zone.

Barentu, 19 May 2020 – Two new elementary schools are under construction in Ribda and Alet administrative areas, Forto Sawa sub zone. The construction of the schools is expected to play significant role in reinforcing the teaching and learning process in the area, Mr. Abubakar Idris, administrator of the sub zone indicated.

Each of the schools that are being constructed with the cooperation of the Ministry of Education branch in Gash Barka region and the Western Command Development Front include 4 class rooms, administrative and teacher’s offices, as well as storehouse and toilet. 90% of the construction of the schools is completed, the report added.

Pointing out that the progress of education has been hampered in Forto Sawa sub zone due to remoteness of villages, nomadic lifestyle, and backward traditions among others, Mr. Abubakar Idris, administrator of the sub zone said that thanks to the integrated efforts being made, encouraging results are being registered and that students’ school enrolment is on the increase.

Documents of Forto Sawa sub zone indicate that there are 28 educational institutions including two boarding schools ranging from preschool to high school.

መቐለ- ንሓገዝ ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ዝውዕል 3 ሚልዮን ብር ዝአከበ ኣብነታዊ ዜጋ

VOAnews Tigrigna -

መምህር ሙሉ ሃይለስላሰ ኣብ ትግራይ ቴለቭዥን መደብ ፍሉይ ድልየት ብምድላው ማሕበራውን ቁጠባውን ፀገማት ማሕበረሰብ ኣብ ምቅላል ይርከቡ። ዛጊት 3 ሚልዮን ብር ካብ ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ውልቐ ሰባት ብምእካብ  ክሳብ ሕዚ ሓደ ሚልዪንን 700 ሽሕ   ብር ን1500 ፅጉማት ከምዘከፋፈሉ ይዛረቡ። እቲ ዝተረፈ ገንዘብ እውን ንመጻኢ ከምዘከፋፍልዎ ሓቢሮም። ምስ መምህር ሙሉ ዝተኻየደ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።  

መንቀሊ ዓለምለኸ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ክጽናዕ ዝሓለፈ ውሳነ ቻይና ግዚኡ ኣይኮነን ክትብል ነጺጋቶ

VOAnews Tigrigna -

መንቀሊ ቫይረስ ኮሮና ዝምርመረሉ መድረኽ በጺሕና ዝብል  ዓለማዊ ድጋፍ ይሕይል ኣሎ- ቻይና ግን ሓንሳብ ንጽናሕ ትብል ኣላ።   ብሕብረት ኤውሮጳ ዝተመወለ ሓደ ውሳነ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፥ መበገሲ`ቲ ለበዳን ዝተዋህቦ ምላሽን ክጽናዕ ጸዊዑ`ሎ።   ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ እቲ ለበዳ ይቕጽል ከምዘሎ እምነት ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም ስለዝኾነ- ነቲ ስጉምቲ ምውሳድ ግዚኡ ኣይኮነን ይብል። እቲ ተበግሶ ሕበረት ኤውሮጳ ብጉባኤ ውድብ ጥዕና`ውን ከምዝተደገፈ`ዩ ዝግለጽ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ ሃገራት ዓለም ንእገዳ ኮቪድ 19 ምልዓለን ቀጺለን ኣለዋ። በልጂም ሎሚ ሰኑይ ዕዳጋታትን ቤተ-መዘክራትን ክኽፈት ኣፊቂዳ`ላ- ተወሰኽቲ ተማሃሮ ድማ ናብ ቤት ትምህርቶም ይምለሱ`ለዉ። ኣብ ግሪኽ ከተማ ኣቴንስ ፍሉጥ ስሕበት በጻሕቲ ዝኾነ ኣክሮፖሊስ ከምኡ ናይ ቫቲካን ቤተክርስትያን ቅዱስ ጰጥሮስ ካብ መንጎ ሓደሽቲ ዝተኸፍቱ ቦታታት ኮይኖም ኣለዉ። ህንዲ ግን ናህሪ`ቲ ሕማም ስለዝረኣየት እዚ ወርሒ ክሳብ ዝወዳእ እቲ እገዳ ክቕጽል ወሲና`ላ።  ግብጺ ኣብ`ዚ እዋን ወርሒ ሮመዳን ንሹቓትን ከም ገማግም ባሕሪ ዝበሉ መዘናግዒ ቦታታትን መዘናግዒ ሕዛእታትን ከምኡ ናይ ለይቲ ሕላፍ ሰዓት ተዓጽዩ ክጸንሕ ጌራ`ላ። ኣብ ዓለም ብቁጽሪ ብኮቪድ 19 ዝተታሕዙን ዝሞቱን ትመርሕ ዘላ ኣሜሪካ ቀስ ብቐስ እገዳታት ተፍኩስ ኣላ። ፕረዚደንት ትራምፕ ብዛዕባ ምኽፋት ዕዳጋታት ምስ ኣመሓደርቲ ግዝኣታትን ወነንቲ ኢንዱስትሪ ኣብያተ መግብን ክዘራረብ መዲቡ`ሎ። ነቶም ኣብዚ እዋን እገዳ፥ ሰንሰለት ቀረባት -መግቢ ንኸይቋረጽ ዝጸዓሩ ሓረስቶት ድማ ሓደ ሓገዝ ክግበረሎም ትጽቢት ኣሎ። ብኻልእ ወገን ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዝነበረ ባራክ ኦባማ፥ ንግብረ መልሲ ኣሜሪካ ምንቃፉ ትራምፕ ነጺግዎ።  ኦባማ ዝሓለፈ ቀዳም ንተመረቕቲ ኮሎጃት ብተለቪዥን ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ ኣብ ሓላፍነት ዘለዉ ሰባት ኣብ ግብረ-መልሲ`ቲ ለበዳ ዝግብርዎ ዘለዉ ነገር ባዕሎም ዝፈልጥዎ`ዩ- ክብል ብሽም ከይጠቀሰ ነቒፉ ኔሩ። ብዛዕብኡ ምላሽ ኽህብ ዝተሓተተ ፕረዚደነት ትራምፕ ድማ "ብቕዓት ዝነበሮ ፕረዚደንት ኣይነበረን" ክብል መሊሱ። ትማሊ ሰንበት ድማ በዓል-ስልጣን ጥዕና ኣሜሪካ ነቲ መንግስቲ ንህዝቡ ከሲርዎ`ዩ ዝብል ነቔፈታ ነጺግዎ`ሎ። ሚንስተር ጥዕና ኣለክስ ኣዛር ትማሊ ኣብ ሲ-ኤን-ኤን ቀሪቡ` መንግስቲ ነቲ ዝገበሮ እንተዘይገብሮ እቲ ሓደጋ ኣዝዩ ሰፊሕ ምኾነ ኢሉ። ብኻልእ ወገን እቲ እገዳ ንኣሜሪካ ናብ ውድቀት ኤኮኖሚ ገጹ ይደፍኣ ከምዘሎን- ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ዝለዓለ ቁጽሪ ሸቕሊ ኣልቦነት ክሳብ ዝመጽእ ወርሒ`ውን እናወሰኸ ከምዝኸይድ ሓለፍቲ ቂጠባ ኣሜሪካ ይሕብሩ ኣለው።

ፈነወ ትግርኛ ሰኑይ

VOAnews Tigrigna -

ፈነወ ትግርኛ ብናይ`ዚ መዓልቲ ዓበይቲ ዜና ይጅምር ። ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝረኽቦም ቃለ-መጠይቓትን ሰሙናዊ መደባትን ድማ የስዕብ ። ሰሙናዊ መደባት ሰኑይ፡ ሳይንስን ተክኖሎጂን / ሕርሻ

ኣብ ዞባ ሳሕል ሚሊዮናት ህፁፅ ረድኤትን ሓለዋ ድሕነትን ከምዘድልዮም ሕቡራት መንግስታት ኣጠንቂቑ

VOAnews Tigrigna -

ሕቡራት መንግስታትን ትካላት ረድኤትን ኣብ ኣፍሪካ ዞባ ሳሕል ማእለያ ዘይብሎም ሰባትህይወት ኣድሕን ረድኤትን ሓለዋ ድሕነትን ከምዘድልዮም ኣጠንቂቖም።  ትካላት ረድኤት ኣብ ሳሕል ብዝወረደ መጠን ሰብኣዊ ቅልውላው ሻቐለቶም ይገልፁ ኣለው።ኣብ ፍርቂ ደርዘን ዝኾና ሃገራት ንዓመታት ዝዘለቐግጭት፣ ሽበራዊ መጥቓዕታት፣ ኩነታትለውጢኣየር ዘስዓቦ ፀገም ውሕስነት ምግቢ ሕዚ ድማ ለበዳ ኮቪድ-19 እቲ ህዝቢ ንርእሱ ከይከላኸልን ከይኽእልን ገይሩዎ ኣሎ ኢሎም ኣለው።  ብመሰረት ፀብፃብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ቤት ፅሕፈት ኣዋሃዲ ጉዳያት ሰብኣዊ ረድኤት /OCHA/ ካብ 120 ሚሊዮን ህዝቢ ሳሕል 24 ሚሊየን ሰባት ንምንባር ዓለምለኸ ሓገዝን ሓለዋን የድልዮም።  ወሃቢ ቃል OCHA ጀንስ ላረክ ፍርቂ ካብቶም ዝተጠቕዑ ህፃውንቲ እዮም ኢሎም ኣለው።  እቲ ብዙሕ ዓንኬል ዘለዎ ቅልውላው ብሰንኪ ኣብተን ሃገራት ምምዝባል ዘስዓቦ ፀገም ፀጥታ፣ ጥምየት፣ ዘይምዕሩይነትን ሳዕቤን ኪቪድ-19ን ከምኡ እውን ፆታዊ ዓመፅን ዝተልዓለ እዩ ይብሉ እቶም ወሃቢ ቃል።  ኣብ ማሊ፣ኒጀር፤ቡርኪና ፋሶ፣ሰሜን ምብራቕ ናይጀሪያ፣ቻድን ሰሜናዊ ካሜሮንን ብዝተባርዐ ግጭትን ዘይምርግጋእን 4.5 ሚሊዮን ሰባት ተመዛቢሎም ኣለው ይብል ሕቡራት መንግስታት።12 ሚሊዮን ሰባት እውን ንሕፅረት ምግቢ ተቓሊዖም ኣለው።1.6 ሚሊዮን ህፃውንቲ እውን ንኣዚዩ ሕሱም ሕፅረት ኣመጋግባ ተቓሊዖም ይርከቡ። ሕቡራት መንግስታት ን17 ሚሊዮን ሰባት ንምሕጋዝ 2.8 ቢሊዮን ዶላር ሓገዝ ተማሕፂኑ ኣሎ።  ኣብ ሳሕል ህፁፅ ረድኤት ዘይምቕራብ ብዙሕ ህይወት ሰብ ክጠፍእን ማሕበራሰባት ንጥፍኣት ክቃልዑን ዝገብር እዩ ክብሉ ትካላት ረድኤት ኣጠንቂቖም ኣለው።

ንጉዳያት ሕገ መንግስቲ ዘፃሪ ጉባኤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ

VOAnews Tigrigna -

ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕፅል መስከረም ክፍጠር ንዝኽእል ክፍተት ንምምላእ ንቤት ምኽሪ ፌደረሽን ሙያዊ ሓሳብ ዘቕርብ ጉባኤ መፃረይ ጉዳያት ሕገመንግስቲ ስራሕ ጀሚ።ሰብ ሙያ ሕገ መንግስትን ኣብ ምርቃቕ ሕገ መንግስቲ ናይ ዝተሳተፉን ሪኢቶታት ይቕበል ኣሎ።  ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝቕፅል መስከረም ክፍጠር ንዝኽእል ክፍተት ሕገመንግስታዊ ትርጉም ንምሃብ ናብ ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ተመሪሑ ኣሎ።ትርጉም ዝተሓተተሎም ዓንቀፃት ብሓደ ወገን በብሓሙሽተ ዓመት ምርጫ ክካየድ ከምዘለዎ ዝገልፅን በቲ ኻሊእ ወግን ድማ ኵናትን ናይ ህዝቢ ጥዕና ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ኩነታት ከጋጥም ከሎ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ህፁፅ ኣዋጅ ክእውጅ ከምዝኽእል ዝገልፁ እዮም።  ድሮ እውን ንቤት ምኽሪ ፌደረሽን ሙያዊ ሓሳብ ዘቕርብ ጉባኤ መፃረይ ሕገ መንግስታዊ ጉዳያት ስራሕ ጀሚሩ ኣሎ።ሰብ ሙያ ሕገ መንግስትን ኣብ ከይዲ ምርቃቕ ናይ ዝተሳተፉ ውልቀሰባትን ሪኢቶ ንኽልተ ማዕልታት ተቐቢሉ ኣሎ።  ሓደ ኣባል ኣርቃቒ ኮሚሽን ሕገ መንግስቲ ዝነበሩ ኣምባሳደር ታየ ህዝቀስላሴ ድሕሪ መስከረም ንኢትዮጵያ ዝመርሕ መን እዩ ዝብል ነቲ ሕገ ብምትርጓም እዩ ዝርከብ ኢሎም ኣለው።   ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ብዙሕ ዓመታት ዝነበሩ ምሁር ሕግን ፖለቲካን ፕሮፌሰር ኣለማየሁ ገብረማሪያም ንሕገ መንግስቲ ብምትርጓም መፍትሒ ምሃብ ልሙድ ኣሰራርሓ እዩ ኢሎም።            

ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ዝተረኽቦም ብዝሒ ዘለዎም ሰባት መዝጊባ

VOAnews Tigrigna -

ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ዝተረኽቦም ብዝሒ ዘለዎም ሰባት መዝጊባ፡  ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት መርመራ ካብ ዝተገብረሎም 1775 ሰባት ኣብ 35 ሰባት  ቫይረስ ኮሮና ከም ዝተረኸቦም ሚንስተር ጥዕና ሊያ ታደሰ ኣፍሊጣ`ላ። እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ኩሎም ኢትዮጵያውያን ክኾኑ ኸለዉ- መብዛሕቲኦም ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ`ዮም። ብኻልእ ወገን ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሓመድ፥ ኮቪድ 19 እናሰፍሐ ብምምጽኡ ኢትዮጵያውያንን ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ኩሎምን ሸለል ከይበሉ ንኩሎም ዝወጹ መምርሕታት ክትግብሩ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ`ሎ።

Pages

Subscribe to shekortet.com aggregator - Eritrea