Eritrea

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ኣመራርሓ ኦፌኮ ንምስርክርነት ዝጸውዕዎም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ከይቐርቡ ወሲኑ

VOAnews Tigrigna -

ናይ ኢትዮጵያ ፌደራል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እኒ ኣቶ በቀለ ገርባ ዝርከቡዎም ኣርባዕተ ኣባላት ኣመራርሓ ፌደራሊስት ኮንግረ ኦሮሞ ብምስክርነት ዝፀውዑዎም ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ከይቐርቡ ወሲኑ።  ተኸሰስቲ ኣብቲ መጋባእያ ዝለዓለ ተቓውሞ ብምስምዖም ንቤት ፍርዲ ደፊርኩም ብዝብል ነፍሲ ወከፎም ብሽዱሽተ ኣዋርሕ ማእሰርቲ ቀፂዑዎም ኣሎ።  እቶም ተኸሰስቲ ንቀዳማይ ሚንስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ሓዊሱ ሓሙሽተ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ነቲ ጉዳይ ንምውሳን ዝህቡዎ ምስክርነት ኣገባብ የብሉን ክብል ክቐርቡ የብሎምን ኢሉ’ሎ። ጠበቓ ተኸሰስቲ ኣቶ ኣምሃ መኮነን ንኣዋርሕ ክመሓላለፍ ዝፀንሐ እዚ ናይ ምስክራት ኣቀራርባ ቤት ፍርዲ ዝወሰነሉ ኣገባብ ካብ ትፅቢትና ወፃኢ እዩ ኢሎም ኣለው ። “ሓቂ ንምዝራብ ብወገነና ትፅቢት ዘይገበርኩዎ ውሳነ ስለዝነበረ እቲ ውሳነ ክውሃብ ከሎ ዝተውሃበ ትንታነ፣ንሕና ክፅውዑ ኣለዎም ኢልና ክንውስን ከለና ምስ ዝነበረ ኩነታት ስለዘይኸድ ነቲ ቤት ፍርዲ ርእይቶይ ሂበ ኣለኹ።”  ላዕለዎት ሰበስልጣን ኦሮሚያ ብቤት ፅሕፈት ኦሆዴው ኣቢሎም ክምስክሩ ከምዝደልዩ ገሊፆም እንሃለው ከምዚ ዝበለ ውሳነ ምሃብ ግር ኢሉና’ሎ ክብሉ ወሲኾም ሓቢሮም።   ተኸሰስቲ ነቲ ውሳነ ብምቅዋም ካብቲ ቤት ፍርዲ ዝኾነ ይኹን ፍትሒ ክረኽቡ ትፅቢት ከምዘይገብሩ፣ንሓዋሩ እውን ኣብቲ መጋባእያ ንምርካብ ከምዘይደልዩን ፍርዲ ክህቦም ዝደሊ ወገን ፍርዱ ክህብ ከምዝኽእል ብምሕታት ብዝለዓለ ዓውታ ምዝማር ጀሚሮም።ካልኦት ተኸሰስቲ እውን ሓቢሮምዎም ብምዝማሮም እቲ መጋባእያ ስርሑ ክፍፅም ዘኽእሎ ኩነታት ብዘይምንባሩ ኣብ ልዕሊ ኣርባዕቲኦም ተኸሰስቲ ንቤት ፍርዲ ደፊርኩም ብዝብል ነፍሲወከፎም ብሽዱሽተ ኣዋርሕ ማእሰርቲ ተቀጺኦም ኣለው። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።      

ህወሓት ውድባዊ ጉባኤኡ ጀሚሩ

VOAnews Tigrigna -

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ/ህውሓት/ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣባላቱ ዝተሳተፍሉ ውድባዊ ኮንፈረንስ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ከተማ መቐለ ጀሚሩ።ኣብቲ ኮንፈረንስ ኣባላት ኣመርራሓ፡ ኣባል ውድባት ኢህወዴግ እውን ይሳትፉ ከምዘለው ተፈሊጡ’ሎ። ምሉእ ዝርዝር ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።    

ሕብረት ኣውሮጳ ሱዳን ዜጋታት ተቓውሞ ከካይዱ ከተፍቕድ ጸዊዑ

VOAnews Tigrigna -

ሕብረት ኣውሮጳ ሱዳን ኣብታ ሃገር ንዝረአ ናህሪ ዋጋ መግቢ ብዝምልከት ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዘካየዱ ዜጋታት’ታ ፍቓድ ክትህብ ጸዊዑ። እቲ ሕብረት ብተወሳኺ ኣብታ ሃገር ዝኻየዱ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊታትን ብፖሊስ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ምእሳር ፖለቲካዊ መራሕቲ ብቅርበት ይኸታተልዎ ከምዘለውን  ገሊጹ።  ዝሓለፈ ሰሙን ኣንጻር ናህሪ ዋጋ ባኒን ሓሩጭን ብተማሃሮን ዜጋታት እታ ሃገርን ዝጀመረ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ሓሓሊፍ ኣብታ ሃገር ይረአ ከምዘሎ’ውን ይግለጽ ኣሎ። ፖሊስ እታ ሃገር ዝበዝሑ ብናይ ዩኒቨርሲቲ ተማሃሮ እታ ሃገር ንዝተኻየዱ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ  ምትኳሶምን፡ ኣብ ዳርፉር ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ድማ ሓደ ተማሃራይ ምሟቱ ይሕበር ኣሎ። ሕብረት ኣውሮጳ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነቲ ኩነታት ብቕርበት ይኸታተሎ ከምዘሎ ገሊጹ። “ ሰባት ሓሳቦም ብነጻነት ናይ ምግላጽ መሰሎም ክህለው ኣገዳሲ’ዪ ኢልና ኢና ንኣምን እዚ ድማ ነጻነት መራኸቢ ብዙሃንን ብንጻነት ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ምታፍን ዘጠቓልል’ዩ” ዝበለ መግለጺ ሕብረት ኣውሮጳ ብተመሳሳሊ ሰባት ነዚ መሰረታዊ መሰሎም ንሰላማዊ መንገዲ ከኻይዱ ንጽውዕ ኢሉ ኣሎ።  ሰበ ስልጣን ሱዳን ነቲ ተቓውሞታት ጸዊዖም እዮም ንዝበልዎም አባላት ናይ ተቓውሞ ፓርቲታት ከምዝአሰሩን አባላት ጸጥታ ድማ ኣብታ ሃገር ንዝዝርግሑ ሕትመታት ከምዝወረሱ ኤ ኤፍ ፒ ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ሓቢሩ’ሎ። እቲ ተቓውሞታት ዝተላዕለ ዋጋ 50 ኪሎ  ዋጋ ሓሩጭ ካብ 167 ናብ 450 ናይ ሱዳን ፓውንድ ክብ ምስበለ ኮይኑ ተመሳሳሊ ተቓውሞታት ኣብ 2013ን 2016 ዓ.ም ተላዒሎም ምንባሮም ይዝከር።

Call on farmers to focus on selected crops

Shabait -

Mr. Arefaine Berhe, Minister of Agriculture,  called on farmers in the Central region to focus on selected crops taking into account the scarcity of land for cultivation in the region. Minister Arefaine made the call at the workshop held on 10 January here in the capital.

 

Asmara, 11 January 2018- Mr. Arefaine Berhe, Minister of Agriculture,  called on farmers in the Central region to focus on selected crops taking into account the scarcity of land for cultivation in the region. Minister Arefaine made the call at the workshop held on 10 January here in the capital.

Minister Arefaine also called on farmers to give utmost precedence to boosting the production of milk, meat, vegetables and fruits as well as to give more attention to natural resources with a view to ensure food security.

Indicating that last year commendable achievements have been registered in terms of ensuring food and water supply to humans and livestock and to transform farming from that of traditional to modern one, the D. G. of Agriculture and Land in the Central region, Mr. Yemane Abai said that the water and soil conservation popular campaigns have significantly contributed in boosting agricultural production.

According to reports presented at the workshop, 126 dams and micro-dams that could hold 70 million meter cube of water have been constructed and vegetables on 1525 hectares of land was cultivated and fruits on 148 hectares and that are contributing in stabilizing the market.

More over, commendable activities have been conducted in animal highbred and distribution of diary cows as well as praiseworthy bee farming and animal fodder.

Speaking at the occasion, the Governor of the Central region, Maj. Gen. Romodan Osman Aweliyay called for properly identifying the arable land, appropriately applying the advice from agricultural experts, conducting forestation activities as well as for the introduction of smokeless oven.

Worthy environmental sanitation popular campaigns

Shabait -

The environmental sanitation popular campaigns conducted in the Hamelmalo sub-zone since 2008 are significantly contributing in ensuring the health of the residents.

Keren, 11 January 2018- The environmental sanitation popular campaigns conducted in the Hamelmalo sub-zone since 2008 are significantly contributing in ensuring the health of the residents.

Indicating that owing to the regrouping of their villages they have become beneficiaries of social services, the residents said that the environmental sanitation programs have contributed in the reduction of communicable diseases.

Pointing out that commendable community based environmental sanitation programs are being conducted in the sub-zone, Mr. Berhane Gebrekidan, head of Environmental Sanitation in the Anseba region, said that it is the responsibility of the public for its sustainability.

Concerted effort for eradication harmful practices

Shabait -

The Secretary of the PFDJ branch in Foro sub zone, Mr. Ali Jabr made a call for concerted effort to eradicate harmful practices that are physically and psychologically affecting the development of women.

Massawa, 11 January 2018 – The Secretary of the PFDJ branch in Foro sub zone, Mr. Ali Jabr made a call for concerted effort to eradicate harmful practices that are physically and psychologically affecting the development of women.

In a meeting he conducted with the residents, Mr. Ali Jabr, stated that owing to the awareness raising campaigns conducted in the sub zone, the understanding of the public is gradually increasing and called for similar campaigns for better achievements in the remote areas.

The residents on their parts expressing readiness to contribute due role called for integrated effort to empower women.

ግብጺ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ኣናዊሓ

Radio Erena -

Radio Erena: 11 Januray 2018

ግብጺ፣ ንልዕሊ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣጽኒዓቶ ዘላ ናይ ህጽጹጽ እዋን ኣዋጅ ንተወሳኺ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣናዊሓ።

እታ ሃገር፣ ኣብ ቤተክርስትያን ድሕሪ ዘጋጠመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ሚያዝያ 2017 ዝኣወጀቶ ናይ ህጹጽ እዋን፣ ንተወሳኺ ሰለስተ ኣዋርሕ ተናውሕ ዘላ፣ ሃገራዊ ምርጫ ንምክያድ ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን'ዩ።

ኢትዮጵያን ኩባን ዝምድንአን ንምሕያል ይሰማምዓ

Radio Erena -

Radio Erena: 11 Januray 2018

ኢትዮጵያን ኩባን ዝጸንሐ ዝምድንአን ንምሕያሉ ስምምዕ ከቲመን።

እዘን ሃገራት ነዚ ስምምዕ ዝኸተማ ናብ ኩባ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዝፍጽም ዘሎ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ዶክተር ተሾመ ሙላቱ
ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር ራውል ካስትሮ ድሕሪ ምርኻቡ'ዩ።

ካብ ሱዳን ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተበገሰት ነፋሪት፣ ኣብ ውሽጣ ባርዕ ኣጋጢሙ

Radio Erena -

Radio Erena: 11 Januray 2018

ካብ ሱዳን ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተበገሰት ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ዓረብያ፣ ኣብ ውሽጣ ብዘጋጠመ ባርዕ ብሃንደበት ክትዓልብ ተገዲዳ።

እታ ነፋሪት፣ 103 ገያሾ ጽዒና ብ9 ጥሪ፣ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ካብ ካርቱም ድሕሪ ምብጋሳ ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ'ዩ፣ ኣብ ውሽጣ ባርዕ ኣጋጢሙ።

Announcing Awate IGAD Forum

Awate -

Dear friends, Two days ago, we launched the 2018 fundraising entitled “Support Awate.com” campaign which will continue for some time. The response during the last two days has been encouraging to the extent that it inspired us so much we have decided to announce one of our enhancement plans ahead of time–we believe we do…

 ምርጫ ኬንያ 2017 ጽጹይ ኣይነበረን ክብላ ሓላፊት ተዓዛቢ ጉጅለ ሕብረት ኣውሮጳ ሓቢረን

VOAnews Tigrigna -

ኣብ ኬንያ ዝተኻየደ ፕረዝዳንታዊ ምርጫ ንምዕዛብ ዝተላዕከ ተዓዛቢ ጉጅለ ሕብረት ኣውሮጳ ዝመርሓ ሓላፊት  እቲ ልዑኽ መስርሕ ምርጫ ፅፁይ ኣይነበረን ምኽንያቱ ድማ ፖለቲከኛታት’ታ ሃገር እዮም ኢለን። ኣብ ፓርላማ ሕብረት ኣውሮጳ መደረ ዘስምዓ ሓላፊት ጉጅለ ተዓዛቢ ሕብረት ኣውሮጳ ማሪዥ ሻኽው ኣብ 2017 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ንዝተርኣዩ ፀገማት ጠንቁ ፖለቲከኛታት እዮም ኢለን። “ንፈለማ ግዜ ዘድመፁ ሓሙሽተ ሚሊዮን መናእሰይ ሓዊሱ ህዝቢ ኬንያ ንዴሞክራሲያዊ መሰሎም ኣየሰተማቐሩዎን።መራሕቲ ፖለቲካ ንነፃ ትካላት ብምጥቓዕ ነቲ መስርሕ ምርጫ ኣበርዒኖምዎ፤ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ወገናት ልዝብ ከይካየድ ኣብ ክንድኡ ምስሕሓባት ክንህሩ ገይሮም እዮም።” ናይ ሕብረት ኣውሮጳ ልኡኽ እቲ መስርሕ ንኣድመፅቲ ዘጉሃየ ነይሩ፤ ፖለቲካዊ ፍሕፍሓት ዝፈጠሮ ማህሰይቲ እታ ሃገር ተኸፋፊላ ክትቕፅል ገይሩዋ’ሎ ይብል። ሻኽው ሓድሽ ዝተኣታተወ ኤሌክትሮኒክስ ናይ ምርጫ መሳርሒ ኣድመፅቲ ብበዝሒ ክወፁ ብምትብባዕ 15 ሚሊዮን ኬንያዊያን ድምፆም ክህቡ እንተገበረ እውን ኬንያዊያን ንዝነበሮም ስግኣት ግን ኣየወገደን ኢለን ።  ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝተደገመ ምርጫ ኣስታት 7.6 ሚሊዮን ጥራሕ ኣድሚፆም።  ኦዲንጋን ምኽትሎም ኮይኖም ዝተወዳደሩን ንባዕሎም ፕረዚደንትን ምኽትል ፕረዚደንትን ገይሮም ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ቃለ ምሓላ ክንፍፅም ኢና ድሕሪ ምባሎም መራሕቲ ንኹሉ ዘሳትፍ መንግስቲ ክምስርቱ ኣብ ኬንያ ፃውዒት እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ።  

ፕረዚደንት ግብጺ ሃገሩ ምስ ኤርትራ ኩሉ መዳያዊ ስትራቴጂካዊ ምትሕብባር ክተዐብይ ዘለዋ ቅርቡነት ኣረጋጊጹ

VOAnews Tigrigna -

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ አል ሲሲ፡ ሃገሩ ምስ ኤርትራ ኩሉ መዳያዊ ስትራቴጂካዊ ምትሕብባር  ክተዐብይ ዘለዋ ቅርቡነት ኣረጋጊጹ። ኣብ ግብጺ ወግዓዊ ምብጻሕ ምስ ዝፍጽም ዘሎ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ትማሊ ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን ኣገዳስነት ምትግባር ሓባራዊ ምትሕብባር ኣብ ዓውድታት ሕርሻ፡ ሓይሊ ጸዓት፡ጥዕናን ንግዲን ዘለው ፕሮጀክትታት ሓቢሩ። ፕረዚደንት አል ሲሲ ብተወሳኺ ኣብ ምፍታሕ ዞባዊ ጉዳያት፡ ከም ግብረሽበራ ዝአመሰ ሓባራዊ ስግኣታት ኣብ ምብዳህ ኣብ መንጎ ኤርትራን ግብጽን ኣብ ዓለምለኸ መድረኻት ዘሎ ልዑል ደረጃ ምትሕብባር ምሙጓሱ ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ባዚም ራዲ ገሊጹ። ክልቲኦም ወገናት ምስ ህልው ኩነታት ዝዛመድ ኣብ`ቲ ዞባ ጸጥታን ርግኣትን ኣብ ምንጋስን ሰፊሕ ዝኾነ ምትሕብባር ክቕጽሉ ከምዝተሰማምዑ ወሃቢ-ቃል ፕረዚደንት ግብጺ ወሲኹ ጠቒሱ`ሎ። ፕረዚደንት ኢሰያስ ብወገኑ ግብጺ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ መሪሕ ተራን  ኣብ ኣፍሪቃ ምዕባለ ንምርግጋጽ ዘለዋ ቅርቡነት ኣመጉሱ፡ ሃገሩ ምስ ግብጺ ዘለዋ ምትሕብባር ኣብ ምሕያል ዘለዋ ድልየት`ውን ኣፍሊጡ`ሎ። ትማሊ ኣብ ፕረዚደንታዊ ቤት መንግስቲ ኢትሓዲያ ምርኻቦም ዝገለፀት ጋዜጣ ኣል-ኣሕራም ብወገና ክልቲኣዊ ርክባት ንምዕዛዝ ከምኡ እውን ኣብ ሃገራት ወሓይዝ ናይልን ኣብ  ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘሎ ምዕባለታትን ብዝምልከት ከምዝዘተዩ ፀብፂባ’ላ። ናይ ኤርትራ መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ብወገና፡ ፕረዚደት ኢሳያስ ምስ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ግብጺ ከምዝተራኸበን፡ ዝተፈላለያ ፕሮጀክትታት ልምዓት ከምዝበጽሕን ኣፍሊጣ`ላ። እዚ ርክብ ካይሮ ዝግለጽ ዘሎ፡ ምስ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ጉዳይ ምስሕሓብ ዶብን ምህናጽ ዓቢይ ግድብ ናይልን ውጥረት ኣብ ዝዓረገሉ እዋን`ዩ- ከም ጸብጻብ ዋሺንግተን ፖስት። ኢትዮጵያ ብወገና፡ ሚንስተር ወጻኢኣ ናብ ኢማራት ዓረብ ከምዝለኣኸትን፡ ካብ ሱዳን ሓለቓ ወተሃደራዊ ስታፍ ምቕባላን ይዝከር።    

ኣስታት 300 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ተሓቢሩ

VOAnews Tigrigna -

 ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ትማሊ ሶሉስ ኣስታት 300 ስደተኛታት ካብ ሰለስተ ነአሽቱ ጀላቡ ምድሓኖም ሓቢሮም። እታ ቀዳመይቲ ዝተረኽበት ጀልባ ምሉእ ንምሉእ ጥሒላ ከምዝነበረትን 16 ስደተኛታት ጥራይ ምድሓኖም፡ ካልኦት ኣስታት 50 ዝኾኑ ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ከምዘለው ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ወሲኾም ኣረዲኦም። እቲ ናይ ህይወት ኣድሕን ስርሒት ካብ ከተማ ትሪፖሊ ብምብራቕ ወገን ኣብ ኣስታት 121 ኪ.ሜ ዝተኻየደ ምኳኑ’ውን ተፈሊጡ’ሎ። ብመሰረት ሓበሬታ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ኣስታት 3,116 ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ከቋርጹ ምሟቶም ይፍለጥ። ሊብያ ድሕሪ ሞት ናይ ነዊሕ እዋን መራሒ መሓመድ ጋዳፊ ብሕጊ ኣልቦነት ምንቅስቃስ ዕጡቓት ሚሊሻ ክትሕመስ ዝጸንሓት ኮይኑ እዚ ድማ  ነቶም ካብ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ተበጊሶም  ኣውሮጳ ንምብጻሕ  ንሊብያ ከም መተሓላለፊ ዝጥቐምሉ ስደተኛታት ዕድል ዝህብ ምኳኑ ይፍለጥ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ክሳብ ሕጂ ኣስታት 800 ስደተኛታት ካብ ኢጣልያ ተበጊሶም ንጎቦታት ኣልፕስ ብምስጋር ፈረንሳ ዝበጽሑ ከምዘለው ኣብዚ ጎቦታት ወለንታዊ ስርሒት ኣብ ምንዳይ ኣፍሪቃዊያን ዝተዋፈሩ ዜጋታት ይገልጹ። ነዚ  1,762 ብራኸ ዘለዎ ሓደገኛ 10 ኪ.ሜ ርሕቀትን ንምቁራጽ ብቑዕ ጫማ ከይሓዙ ከምዝጉዓዙ’ውን እቶም ወለንተኛታት ይሕብሩ። ስለዚ ድማ ኣብዚ ዝሑል ኩነታት ኣየር  ነቲ ጉዕዞ ክፍጽሙ ዘይኸአሉ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ናይ ምንዳይ ስራሕ ንምክያድ ኣብቲ ጎቦታት ከምዝተዋፈሩ ወሲኾም የረዱኡ።  ሓደ ካብቶም ወለኝተኛታት ሲሞኒ ቦብዮ ከምዚ ይብል። “ ንዓና’ውን ኣጋጢሙ ይፈለጥ’ዩ። ኣብዚ ብዓሙቕ በረድ ዝተሸፈነ ቦታ ተሸኪልና ንቕድሚት ምስጓም ኣብ ዘይንኽእለሉ ደረጃ ዝበጻሕናሉ ጊዜ አሎ። ከምኡ ድማ እዞም ስደተኛታት ሓደ ጊዜ ይዝከረኒ ሓደ ስደተኛ  ክልቲኡ ጫማታቱ ኣብ በረድ ብምሽካሉ ብዘይ ጫማ ብምጉዓዙ ኣእጋሩ ክነቕጽ ከምዝጀመረ ይዝከረኒ” ይብል። እዚ ናይዚ ኣዋርሕ ዝሑል ኩነታት ድማ ነቲ ጉዕዞ ዝያዳ በዳሂ ከምዝገብሮ ብምግላጽ እቶም ተዓዊቶም ፈረንሳ ዝበጽሑ’ውን ብፖሊስ ፈረንሳ ከምዝተሓዙ ይገልጹ።

Road renovation popular campaign

Shabait -

Residents of the Mai-Mine sub zone expressed readiness  to enhance contribution for timely completion of the popular dirt road renovation linking Endagergis with Mai Mine.

 

Mendefera, 10 January 2018 - Residents of the Mai-Mine sub zone expressed readiness  to enhance contribution for timely completion of the popular dirt road renovation linking Endagergis with Mai Mine.

They made the pledge at a meeting they conducted with the administrator of the sub zone to assess the activities conducted in 2017 and development programs for 2018.

At the meeting in which representatives of 17 administrative areas took part, the managing director of the Mai-Mine sub zone, Mr. Kidane Furuy indicated that 80% of the set out programs for 2017 were successfully implemented.

According to Mr. Kidane the implemented programs included, expansion and extension of electric power supply to Ma-Mine semi-urban center, land management and allocation, water and soil conservation and forestation popular campaigns.

At the meeting, reports on the activities conducted in the sectors of health, education, agriculture and social welfare were presented and extensive discussion was conducted.

In Mai-Mine sub-zone, Southern region, there are more than 60 thousand residents leading their livelihoods through farming, livestock herding and trade.


Pages

Subscribe to shekortet.com aggregator - Eritrea