Eritrea

ሕ.ኣፍሪቃ ንፕ.ትራምፕ ዝምልከት መግለጺ ኣውጺኡ

Radio Erena -

Radio Erena: 14 Januray 2018

ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፣ ንሃገራት ኣፍሪቃ፣ ሀይቲን፣ ኤልሳልቫዶርን ብኣጸያፊ ስም ምጽዉዑ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ዓለም ኣዘራራቢ ኮይኑሉ ዘሎ እዋን፣ ሕብረት ኣፍሪቃ መግለጺ ኣውጺኡ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲኡ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ፣ እቲ ፕረዚደንት ንሃገራት ኣፍሪቃ ኣጸያፊ ስም ምሃቦ ይቕሬታ ክሓትት ኣለዎ ኢሉ።

Meeting on implementation of charted out development programs

Shabait -

The branch office of the Ministry of Health in the Central region conducting a meeting on 10 and 11 January with a view to evaluate the implementation of activities of 2017 and on the charted out programs for 2018.

 

Asmara, 13 January 2018 - The branch office of the Ministry of Health in the Central region conducting a meeting on 10 and 11 January with a view to evaluate the implementation of activities of 2017 and on the charted out programs for 2018.

Reporting at the event, Dr. Tesfai Solomon, head of the branch, said that beyond focusing on the communicable diseases praiseworthy activities have been conducted to ensure the health of maternity and child and that the mortality rate during pregnancy and delivery has been reduced by 92%.

Dr. Tesfai reiterated that the post natal treatment has been increases by 84% and as a result of the growing awareness of the public the number of pregnant women delivering in health facilities has increased by 72%.

Dr. Tesfai further indicated that conducting study for the cause of premature births and finding solution, strengthening the role the community on health issues, reducing the death rate of maternal and child to the lowest level, strengthening vaccination programs, reinforcing health service provision in schools, augmenting effort to eradicate malaria, maintenance of health facilities and underpin ambulance service are among the charted out programs for 2018.

The managing director at the Central region expressed readiness that the regional office will contribute its level best for the success of the charted out programs.

Speaking at the occasion, the Minister of Health, Ms. Amina Nur- Husein called for exerting strong effort for realizing of the set out health strategy of 2017-2021.

Seminar on Improving lives of Visually Impaired Citizens

Shabait -

The National Association of the Visually Impaired conducted seminar in Dekemhare with a view to make integrated effort towards improving the social and economic status of members.

Asmara, 13 January 2018 -  The National Association of the Visually Impaired conducted seminar in Dekemhare with a view to make integrated effort towards improving the social and economic status of members.

At the seminar in which members of the Association, Area administrators and pertinent government representatives took part, the chairman of the Association, Mr. Dawit Fesehaye, said that the Association is finalizing preparation to extend financial assistance to members of the Association in order to enable them become productive members of the society.

The advisor of the Association, Mr. Gebremeskel Feseha, gave briefing with supportive evidence that if the visually impaired citizens could improve their capacity through education and vocational training, they could be self-reliant and called on the public to extend hands to the disabled citizens.

The National Association of Visually Impaired along providing advice to its members has conducted commendable activities in improving the lives of members through creating income generation projects.

A Alimpse at Gedli Boulevard, From the sidewalk

Awate -

Exactly a year and a few weeks ago I wrote a draft article to post on Awate in the form of a letter to Tzigereda. It was a kind of encouragement and response to her after she wrote “life in Ghejeret in 1975.” Seeing people criticising her on writing personal stuff as well as a…

ቱኒዝያ ብህዝባዊ ተቓውሞ ትሕመስ

VOAnews Tigrigna -

ኣብ ቱኒዝያ ብዝተላዕለ ህዝባዊ ተቓውሞ ልዕሊ 300 ሰባት ተኣሲሮም ምህላዎም ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና ሓቢሩ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ቱኒዝያ ንዝኾነ ዝለዓል ህዝባዊ ተቓውሞ ንምብታን ወተሃደራት ተዋፊሮም ምህላዎም ድማ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ቱኒዝያ ብህዝባዊ ተቓውሞ ትሕመስ ዘላ ግብረመልሲ ናይቲ ዝውስኽ ዘሎ ዋጋ ቀረባት ፣ ወሰኽ ቀረጽን ሽቕለት ኣልቦነትን ከምዝኾነ'ዩ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ካብታ ሃገር ኣፍሊጡ። ብመሰረት ሓበሬታ ሮይተርስ፣ ኣብ ታላ ዝተባህለት ምስ ኣልጀርያ እትዳወብ ከተማ ዝተጎሃሃረ ህዝባዊ ተቓውሞ: ነቑጣ ሃገራዊ ጸጥታ ከምዝተቓጸለ ተሓቢሩ። ኣብቲ ነቑጣ ዝነበሩ ኣባላት ፖሊስ ድማ ክሃድሙ ከምዝተቐስቡ ሮይተርስ ንምንጭታት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምጥቃስ ገሊጹ። ኣፈኛ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ቱኒዝያ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ: ኣብ ተግባራት ስርቅን ቅጥፈትን ዝተዋፈሩ 339 ሰባት ከምዝተኣስሩ ኣፍሊጡ። ንሱ እቲ ተቓውሞ ካብ ዝጅመረሉ ኣትሒዙ ብሓፈሻ ኣስታት 600ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ምህላዎም ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ግብረ መልሲ ነቲ ፕረ.ትራምፕ ንስደተኛታት ዝተጠቐምሉ ዘይእሩም ቃላት

VOAnews Tigrigna -

ግብረ መልሲ እቲ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንሃገራት ኣፍሪቃን ሄይቲን ዝገለጽሉ ዘይእሩም ቃላት፣ ብዘይምቁራጽ ይውሕዝ’ሎ። ፕረዚደንት ትራምፕ ኢሎምዎ ዝተባሃለ ቃላት ኣብ ጋዜጣታት ዘ ዋሽንግተን ፖስት፣ ዘ ኒውዮርክ ታይምስን ቴለቭዥን ሲኤንኤን’ዩ ኣቐዲሙ ወጺኡ። ትራምፕ ንቀ/ሚ ኖርዌይ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝተቐበልሉ እዋን፣ ኣሜሪካ ከም ኖርዌይ ካብ ዝኣምሰላ ሃገራት’ያ ተወሳኺ ስደተኛታት ክትቅበል ዝግባእ ኢሎም። እንተኾነ ዋይት ሃውስ ነቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ኢሎምዎ’ዮም ዝባሃል ዘይእሩም ቃላት ብዛዕባ ኣፍሪቃን ሄይትን ኣሉታዊ ግብረ መልሲ ክሳብ’ዚ ሰዓት’ዚ ኣይሃበን ዘሎ። ሪፐብሊካዊ ኣባል ኮንግረስ ኢልየና ሮዝ-ሌትነን፣”ትንፋስካ’ዩ ዝሓጽረካ። እዞም ቃላት’ዚኣቶም ካብ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዝመጹ ቃላት’ዮም ኢልካ ንምምእማን ንምሕሳቡ’ውን ከቢድ’ዩ። ንኣድልዎን ንሰባት ብማዕረ ትሪኢን ስደተኛታት ካብ ተጋይሽን ሃገር። ካብ ነጻ ሃገር? ፕረዚደንታ ግና ካብ ድኻታትን ዘይጽሩያትን ዝበለን ሃገራት ስደተኛ ክንቅበል ኣይንደልን ይብል ኣሎ። ኣማሓዳሪ ፍሎሪዳን ሕጹይ ፕረዚደንታዊ ተወዳዳሪ ዝነበሩ ጀፍ ቡሽ ብትዊተር ሪኢቶ ሂቦም ኣለው። “ፕረዚደንት ኣሜሪካ ብመንጽር ፍርዲ፣ ውሁድ ፖሊሳዊ ውሳነታት ክራኣይ ከሎ ብዘይጥርጥር ዓሰርተ ስዳሮ ንድሕሪት’ዩ ዝወስደና። ዘተስፍዎ፣ ቃላት’ቶም ፕረዚደንት ብጌጋ ዝተዘርቡ’ምበር፣ ንዝሓዝዎ ዘርኣዊ ትርጉም ኣየንጸባርቑን ምባል’ዩ ዝቐለኒ” ኢሎም ። ቀ/ሚ ሄይቲ ዝነበሩ ለውረት ላሞት እውን ኣብ ትዊተር ዝውጽእዎ ግብረ መልሲ ‘ሸም ኦን ትራምፕ’ ማለት ‘የሕፍርካ ትራምፕ’ ኢሎም። ወሃቢ ቃል ትካል ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኮልቪለ  ንኣባሃህላ ፕረዚደንት ትራሞፕ  ዓሌታዊነት እዩ ድሕሪ ምባል ንጽልኢ ወጻእተኛ ዘተባብዕ ንመነባብሮ ብዙሓት ክጸልው ዝኽእል እዩ ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።  

ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ጎንጽታት ንምፍታሕ ናይ ጸጥታን ደሕንነት ስራሓት ኣብቲ ሓደ እዚ ክኾኑ ምውሳኑ ተገሊጹ

VOAnews Tigrigna -

ኣብ ኢትዮጵያ ክልላት ኦሮምያን ሶማሌን ሓዊሱ ኣብታ ሃገር ዝረአ ጎንጽታት ንምፍታሕ ኣብ ፈደራልን ክልልን ዘለው ስርሓት ጸጥታን ደሕንነትን ኣብ ትሕቲ ሓደ እዚ ክሕቆፍ ከምዝተገብረ ሚንስትር መኸላከሊ ሲራጅ ፈጌሳ ኣፍሊጦም። ሎሚ ቅነ ንጋዜጠኛታት ውሽጢ ሃገር መግለጺ ዝሃቡ ሓላፊ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ደሕንነት ብዛዕባ’ቶም ጎንጽታት ዘለዎም ከባቢታት እታ ሃገር ተዛሪቦም። ይኽሰቱ ዘለው ጎንጽታት ንዜጋታት መሰል ንምንቅስቃሶም ወሲኑ ምንባሩን በዚ ተበጊሱ ኣብ ፈደራልን ክልልን ዘለው ስራሓት ኣብ ትሕቲ ሓደ እዚ ክኾኑ ከምዝትገብረ ኣረዲኦም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።  

ኮንፈረንስ ህወሓት ሎሚ'ውን ቀጺሉ ውዒሉ

VOAnews Tigrigna -

ዝላዓለ ኣካል ህወሓት ዝኾነ ‘ውድባዊ ኮንፈረንስ’ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ሎሚ’ውን ቀጺሉ ውዒሉ። ምንጭታትና ከምዝገለጹልና ‘እቶም ብቀጥታ ምስ ህዝቢ ዝራኸቡ ኣካላት መሪሕነት ዝሳተፍሉ ዘሎ ውድባዊ ኮንፈረንስ፣ ካብ ዝደቐቐ ክሳብ ዝዓበየ ኣጀንዳታት ኣልዕሊሉ በቢጉጅለ ይካትዑሉን ይገማገሙን ከምዘለው ተፈሊጡ’ሎ። ብዘይካ’ዚ ኣብ’ቲ ውድባዊ ኮንፈረንስ ‘ካብ ወረዳን ዞባን ጀሚሩ ዝተመደቡ ኣባላት ምሕደራን ኣብ ሓላፍነት ዝተመደቡ ኣባላት መሪሕነትን ጋምጊሙ ስርሖም ብግቡእ ንዘይፈጸሙ ናብ ተሓታትነት ከብጽሕ’ዩ’ ዝብል ትጽቢት እውን ኣሎ። ኣብ’ቲ ሎሚ ዝቐጸለ ውድባዊ ኮንፈረንስ ይሳተፉ ዘለው ኣብዛሓ ኣባላት ‘ንላዕለዎት መራሕቲን ሰበ ስልጣንን፣ ከምህወሓት ኮይንኩም’ምበር ከም መንግስታዊ ሰበ ስልጣን ኮይንኩም ንምግምጋም ኣይንመርጽን ከምዝበልዎም’ ዝረኸብናዮ ዜና ሓቢሩ። ውድባዊ ኮንፈረንስ ህወሓት ንሓደ ሰሙን ክዘልቕ እዩ።

ሪኢቶታት፡ካብ ናይ ህውሓት ኮንፈረንስ እንታይ ትፅቢት ይግበር?

VOAnews Tigrigna -

 ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ/ህውሓት/ ልዕሊ 2,500 ኣባላቱን ልዕሊ 200 ድማ ካብ ኣባል ውድባት ኢህወዴግን ካልኦት ክልላትን ይሳተፍሉ ዘለው ውድባዊ ኮንፈረንስ ትማሊ ኣብ ከተማ መቐለ ተጀሚሩ’ሎ።  እዚ ህውሓት ን35 ማዕልታት ዘካየዶ ገምጋምን ናይ መሪሕነት ለውጥን ከምኡ እውን ኢህወዴግ ን17 ማዕልታት ዘካየዶ ገምጋም ስዒቡ ዝካየድ ዘሎ ኮንፈረንስ ላዕለዎት መራሕቲ ውድባይ ይሳተፍሉ ዘለው ዋዕላ እዩ።  ኣብዚ ንልዕሊ ሸሞንተ ማዕልታት ዝፀንሕ ኮንፈረንስ ትፅቢቶም እንታይ ከምዝኾነ፣ኣብ ባይታ ክልወጥ ዝደልዩዎም እንታይ ምዃኖም፣ህዝቢ ዝደልዮ መሰረታዊ ለውጢኸ ይመፅእዶ ይኸውን ዝብሉ ሕቶታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝነጥፉን ንናይታ ክልልን ሃገርን ፖለቲካዊ ኩነታት ዝከታተሉን ሰለስተ ኣጋይሽ ሪኢቱኦም ይህቡ።ኣቶ ደጋፊ ጎድፋይ ካብ ከተማ መቐለ፣መንእሰይ ባሻ ደስታ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣቶ ገብረስላሰ ኣርአያ ድማ ካብ ስዊድንን እዮም።  ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።    

ሰበ ስልጣን ሊብያ ካብ ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ዝሓደሙ 81 ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታዎም ሓቢሮም

VOAnews Tigrigna -

ሰበ ስልጣን ሊብያ ካብ ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ሃዲሞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተው 81 ኤርትራዊያን:ኢትዮጵያዊን ሶማልያዊያን ናብ ሃገሮም ከምዝጥረዙ ኣፍሊጦም። ብመሰረት ሓበሬታ ሰበ ስልጣን ሊብያ ሃለዋት እቶም ስደተኛታት ካብ ኢማም እቲ  ካብ ከተማ  ቤንጋዚ ብሸነክ ደቡብ ኣብ ትርኸብ ተሓቢኦምሉ ዝነበረ መስጊድ ብዝተረኽበ ሓበሬታ ከምዝተረኽቡ ሓቢሩ። ሊብያ ኣውሮጳ ንምብጻሕ ማእከላይ ባሕሪ ንዘቋርጹ ስደተኛታት ቀንዲ መተሓላለፊ መንገዲ ኮይኑ ጸኒሑ’ዩ: ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ኣስታት 12,000 ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ምቁራጾም ይፍለጥ።  መብዛሕትኦም ካብኦም ካብ ሊብያ ዝተበገሱ ክኾኑ ከለው ካብ ወርሒ ሓምለ ንደሓር ግን ዕጡቃት ጉጅለታት ንገማግም ባሕሪ እታ ሃገር ብምቁጽጻሮም ቁጽሪ ኣውሮጳ ዝሰግሩ ስደተኛታት ምጉዳሉ ይግለጽ።   ሓደ ካብ ሰበ ስልጣን ኢምግ ሬሽ ን ሊብያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣስታት 5886 ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ጥራዞም እዚ ድማ ካብቲ ኣብ 2016 ዝነበረ ቁጽሪ 2,912 ክብ ዝበለ ምካኑ ሓቢሩ።  

Announcement

Shabait -

  • On the occasion of the New Year, Eri-TV and Dmtsi Hafash Radio will conduct an interview with President Isaias Afwerki on Sunday the 14th of January at 8:00 o’clock in the evening focusing on topical regional developments. The interview will be broadcasted live.

 

  • Ministry of Information


ሱዳን ዶባታ ዝዓጸወትሉ ምኽንያት ካብ ኤርትራን ግብጽን ጸጥታዊ ስግኣት ስለዘለዋ ምዃኑ ትገልጽ

Radio Erena -

Radio Erena: 12 Januray 2018

ሱዳን ምስ ኤርትራ ዘዳውባ ከባቢታት ዝዓጸወትሉ ምኽንያት ካብ ኤርትራን ግብጽን ጸጥታዊ ስግኣት ስለዘለዋ ምዃኑ ኣፍሊጣ።

ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ብምብራቕ ሱዳን ከባቢ ሳዋ፣ ካብ ግብጽን ኤርትራን ተኽእሎ ስግኣታት ከምዘሎ ምክትል ኣቦ መንበር እቲ ሰልፊ ኢብራሂም ማሕሙድ ሓሚድ ምግላጹ ኣገልግሎት ዜና ቻይና ሺንሁዋ ሓቢሩ።

ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ኣብ ኮሎምቦስ ኣመሪካ ኣብ መኪንኡ ተቐቲሉ ተረኺቡ

Radio Erena -

Radio Erena: 12 Januray 2018

ኣቤል በየነ ዝተባህለ ወዲ 30 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ኣብ ኮሎምቦስ፣ ኦሃዮ፣ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፣ ኣብ መኪንኡ ተቐቲሉ ከምዝተረኽበ ፖሊስ እታ ሃገር ሓቢሩ።

እቲ መንእሰይ፣ ብቀዳም 6 ጥሪ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣብ መኪንኡ ብጥይት ተቐቲሉ ከምዝጸንሐ ፖሊስ ኣረጋጊጹ።

ካብ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብዝረኸቦ ሓበሬታ ናብቲ ቦታ ከምዝተረኽበ ዝሓበረ ፖሊስ፣ ካብ መንበሪ ገዝኡ ናብቲ ዝተቐትለሉ ከባቢ ዝመጸሉ ምኽንያት ኣብ ምጽራይ ይርከብ።

ጠንቂ ሞቱ ዝተተኮሰሉ ጥይት ምዃኑ ፖሊስ ኣብ መደምደምታ ክበጽሕ እኳ እንተኸኣለ፣ ብዛዕባ ቀተልቱ ግና ዝኾነ ሓበሬታ ኣይረኸበን።

ቀጠር ናብ ሱዳን 500 ኣውቶቡሳት ክትልእኽ'ያ

Radio Erena -

Radio Erena: 12 Januray 2018

ቀጠር፣ 500 ኣውቶቡሳት ናብ ሱዳን ክትልእኽ ምዃና ሚኒስተር መጓዓዝያን መራኸቢታትን እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኩባንያ ምዋሳላት ናይ ቀጠር ነተን ኣብ ኣገልግሎታት ህዝባዊ መጓዓዝያ ዝዋፈራ ኣውቶቡሳት ናብ ሱዳን ክልእኽ ዝወሰነ፣ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ'ዩ።

እተን ህዝባዊ መጓዓዝያ ሱዳን ንምምሕያሽ ብቀጠር ዝተለገሳ ኣማኢት ኣውቶቡሳት ብገንዘብ ክንደይ ከምዝበጽሓ ኣይተተመነን።

ይኹን'ምበር እቲ ሓገዝ ኣካል እቲ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንእትርከብ ወደባዊት ከተማ ስዋኪን ዳግም ንምብርባራ ብቀጠርን ቱርኪን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ተበግሶ ምዃኑ ይግለጽ።

ቃለ መጠይቅ: ኣብ ምርምር ሕርሻ ተገልግል መትሓዚ ሓሳኹ ዝምሃዘ መንእሰይ

VOAnews Tigrigna -

ኣብ ኮለጅ ሕርሻ ሓመልማሎ ተማሃራይ ሓሙሻይ ምህንድስና ሕርሻ ዝኾነ መንእሰይ ፍጹም ሃብተኣብ ንሕርሻዊ ንጥፈታት እተገልግል ናይ 1.5 ሜተር ንውሓት ዘለዋ መትሓዚ ሓሳኹ ምሂዙ። “ቀንዲ ዕላማ ናይ’ዛ ምህዞ፡ ኣብ ሓደ ናይ ሕርሻ ቦታ ንዝረኣዩ ሓደስትን ፍሉያትን ጎዳእቲ ሓሳኹ ብምሓዝ ዝፋረይሉ ኩነታት ረስንን ከባብያዊ ጠልን ንምጽናዕ ንምምርማርን’ዩ “ይብል። ንሱ ነዛ መትሓዚት ሓሳኹ፤ናይ መኪና ባተሪ፡ሶላር ፓነል፡ፕላስቲክ ሻንኬሎን ሸሓኒን፡ጻዕዳ ኣምፑል፡ረስንን ጠልን ዘለሊ ሴንሰርን ተጠቂሙ ከምዝሰርሓን ከከም ምንዋሕን ምሕጻርን ናይቲ ተኽሊ ከኣ ብዝተፈላለየ ዓቐን(ንውሓት)ተሰሪሓ  ኣገልግሎት ከምትህብን ኣብሪሁ። ኣብ ናይ መዘናግዒ ቦታታት ንሓሳኹን ሃመማን መትሓዚ ዝጥቀሙሉ ብኤለትሪክ ዝሰርሕ መትሓዚ ሕማቕ ጨና ብምፍጣር ብከላ ዘስዕብ ከምዝኾነ ፡እዛ  መሳርሒት ግን ብዘይ ብከላ ሓሳኹ ክትቀትል ትኽእል ብምኻና ዝያዳ ተመራጺት ከምዝኾነት ተማሃራይ ፍጹም ሃብተ ኣረዲኡ። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።         

Pages

Subscribe to shekortet.com aggregator - Eritrea