Eritrea

ብሞባይል ቴሌፎን ንመኪና ናይ ምቁጽጻር ሜላ ዝመሃዙ መንእሰያት

VOAnews Tigrigna -

ብሞባይል ቴሌፎን ወይ ስማርት ፎን ንመኪና ናይ ምቁጽጻር ሜላ ዝመሃዙ ተማሃሮ  በዚ ዝተኣታተውዎ ምሕዞ ብሞባይል ቴሌፎን ሞተረ መኪና፡ ማዕጾ ምክፋትን ምዕጻውን ዝአመሰሉ ተግባራት ንምክያድ ከምዝከአል ይገልጹ። ምስቶም መንእሰያት ዝተኻየደ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።  

ኤርትራዊያን በጻሕቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ልምዓት ከተማ መቐለ ዑደት አካይዶም

VOAnews Tigrigna -

ኣብ ከተማ መቐለ ዝተፈላለዩ ትካላት ልምዓት ኤርትራዊያን ዑደት ኣካይዶም። ኤርትራዊያን ናብ ከተማ መቐለ በብውልቀኦም ዑደት ስለዝገብሩ ብሓባር ኮይኖም ዝሓሸ ሓበሬታ ንክረኽቡ እቲ ዑደት ከምዝተሰናድአ ምምሕዳር ከተማ ገሊፁ። ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ኤርትራውያን ብወገኖነም ከተማ መቐለ ካብቲ ትፅቢት ዝገበርዎ ንላዕሊ ዓብያ ከምዝረኸብዋ ተዛሪቦም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

አዲስ ኣበባ፡ ምስ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ዕግርግር ብዝተሓሓዝ 174 ጥርጡራት ናብ ቤት ፍርዲ ምቕራቦም ፖሊስ ሓቢሩ

VOAnews Tigrigna -

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሰንኪ ዝነበረ ዕግርግር 28 ሰባት ከምዝሞቱ ፖሊስ ገሊፁ።ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝእተዎም 174 ተጠርጠርቲ ድማ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቕርቦም ካልኦት 1,204 ሰባት ድማ ንስልጠና ናብ ማእኸል መሰልጠኒ ጦላይ ከምዝልኣኾም ኣፍሊጡ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ምስቃል ባንዴራን ካልኦት ምንቅስቓሳትን ተኣሳሲሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝተፈጥረ ዘይምርግጋእ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብን ንብረትን ከቢድ ጉድኣት ከምዘወረደ ኮሚሽነር ደግፌ በዲ ሓቢሮም። “ኣብ ኣዲስ ኣበባ ህይወት ኣስታት 28 ሰባት ጠፊኡ’ሎ።ብክፍለ ከተማ ክንዝርዝሮ ከለና ኣብ ኣዲስ ከተማ 5፣ኣራዳ 2፣ኮልፌ 14፣ንፋስ ስልኪ 3፣ጨርቆ 5 ሰባት ሞይቶም።” እዚ ኣሃዝ ናይ ቡራዩን ካልኦት ከባቢታትን ከምዘይሓውስ እውን ሓቢሮም።  ኣብ ህውከትን ናይ ጎደና ዕግርግርን ዝተዋፈሩ ተባሂሎም ዝጥርጠሩ ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ቁፅፅር ከምዝኣተውን ዝበዝሑ ጉዳዮም አጻርዩ ነጻ ከምተለቑን እቶም ኮሚሽነር ወሲኾም ኣብሪሆም። “ኣብቲ ህውከት ብቐጥታ ዝተሳተፉ 1,204 ሰባት ንመአረሚ ናብ ማእኸል መሰልጠኒ ጦላይ ኣትዮም ክምሃሩን ሕጊ ኣኽበርቲ ዜጋ ንክኾኑ ፕሮግራም ሒዝና ናብኡ ወሲድናዮም ኣለና።ኣብ 10 ክፍለ ከተማታት እምኒ ዝደርበዩ፣ንሰባት ዝጎድኡ ተጠርጢሮም ዝተትሓዙ ናብ ሕጊ ክቐርቡ ዘለዎም 174 ሰባት ኣለው።ናይዚኦም ጉዳይ ብቤት ፍርዲ ዝውዳእ እዩ።” ብዝሖም ብንፁር ዘይተፈልጠ ዝቖሰሉ ፈቖዶ ሆስፒታል ከምዝርከቡ እውን ወሲኾም ሓቢሮም።ኣብ ልዕሊ ንብረት ዝወረደ ዕንወት ክገልፁ ከለው ህንፃታት መሳኹቶም ከምዝዓነወን ኣብያተ ባንኪ ንምዝራፍ ፈተነ ተገይሩ መሳኹቲ ከምዝዓነው ገሊፆም። “ናይ ንግዲ ስርዓት ተዛቢዑ ብዙሓት ብንግዲ ዝመሓደሩ ሹቖም ንሰለስተ መዓልታት ተዓፅዩ እዩ ነይሩ።ኣብ ልዕሊ ቁጠባ ዝለዓለ ጉድኣት ወሪዱ’ሎ።” ፖሊስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንመናእሰይ ይሓፍስ ኣሎ ንዝብል ሕቶ ብዘይሕጋዊ ሰልፍን ናይ ጎደና ናዕብን ዝለዓለ በዝሒ ዘለዎም ብዕስለ ህውከት ከምዘልዓሉን ኣብ ልዕሊ ፖሊስ እምኒ እናደርበየ ጉድኣት ዘወረዱን እዮም፤ምሕፋስ ኣይኮነን ኢሎም።  ናይቲ ግጭት መንቀሊ ባንዴራ ምስቃልን ቀለም ምልኻይን ምንባሩ ዝሓበሩ ኮሚሽነር ደግፌ ፖሊስ ጥፍኣት ከይወርድ ዓብይ ጥንቃቐ ከምዝገበረ ሓቢሮም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።      

ቀውሲ ስደተኛታት ፈረንሳ ናብ ጎደናታት ይውሕዝ ምህላው ከምዘሻቐሎም ዘይመንግስታዊ ትካላት ሓቢሮም

VOAnews Tigrigna -

ኣብ ከተማ ፓሪስ ፈረንሳ ዝርከቡ ዘይመንግስታዊ ትካላት ቀውሲ ስደተኛታት’ታ ሃገር ናብ ጎደናታት’ታ ከተማ ይውሕዝ ብምህላው ዘለዎም ሻቅሎት ሓቢሮም። ኣብ ካልያን ሰሜናዊ ክፋል ፈረንሳ ዝርከቡ መዓስከር ስደተኛታት ዝሓለፈ ዓመታት ድሕሪ ምዕጻዎም ዝበዝሑ ካብቶም ኣብዘን መዓስከር ዝነበሩ ስደተኛታት ናብ ዓበይቲ ከተማታት’ታ ሃገር ምግዓዞም ይፍለጥ። ተረ ደ ኣስሊ ናይ ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል ዳይሬክተር ፔር ኤንሪ “ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ጎደናታት ዝነብሩ ውሑዳት ሰባት ኔሮም፡ ሕጂ ግን እታ ቁጽሪ ብጣዕሚ ብዙሕ እዩ። እዚ ክትቕበሎ’ውን ዘጸግም’ዩ” ይብል።  ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ድማ እቲ ኩነታት ዝያዳ ምግዳዱ ይግለጽ ኣሎ እንተኾነ ካብ መንግስቲ ዝተዋህበ ግብረ መልሲ የለን። “ ኣብዚ ሕጂ እዋን ጉዳይ ቀውሲ ዋሕዚ ስደተኛታት ሓሊፍናዮ ኢና። ንኣብነት ጀርመን 1.5 ሚልዮን ስደተኛታት ተቐቢላ’ያ ግን ኣብ ጎደናታት’ታ ሃገር ዝነብሩ ስደተኛታት የለውን። ኣብዚ ግን 100,000 ዝኾኑ ኢና ተቐቢልና እቶም ኣብ መዓስከር ዝነብሩ ድማ ውሑዳት ብኣማኢት ዝቑጸሩ እዮም። ኩነታት እቶም  ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዝነብሩ ብጣዕሚ ኣተሓሳሰቢ’ዩ ዘሎ” ኢሎም። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ  ብሰንኪ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ስደተኛታት ዘሎ ውጥረት ብዙሓት ዘይመንግስታዊ ትካላት ሓገዝ ምሃብ ኣቋሪጾም’ዮም። ኣብዚ ሕጂ እዋን ስደተኛታት ካብ ወለንተኛታት ሓገዝ ወሃብቲ ጥራይ ሓገዝ ይረኽቡ ምህላዎም ይግለጽ ኣሎ። መብዛሕትኦም ስደተኛታት ክልለዩ ኣይደልዩን እዮም ስለዚ ናብ ካሜራ ቐሪቦም ርእይትኦም ክህቡ ፍቓደተኛታት ኣይኮኑን።  ምሕረትኣብ ኤርትራዊ ስደተኛ ኮይኑ ናብ ፈረንሳ ካብ ዝመጽእ 10 መዓልታት ኣቑጺሩ’ሎ። “  መብዛሕትኦም መሓዙተይ ኣብዚ ኣለው። ካብ ኤርትራ፡ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝመጹ እዮም” ይብል። ፈረንሳ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ክትቕበሎ ዘሎ ተኽእሎ ትሑት እዩ ስለዚ ነዚ ቦታ ለቒቑ ምኻዱ ዘይተርፍ እዩ። መንግስቲ ፈረንሳ ቁጽሪ ንስደተኛታት ዝወሃብ ኣባይቲ እንተወሰኸ’ኳ ቁጽሪ ኣብ ጎደናታት ዝነብሩ ስደተኛታት ግን ሕጂ’ውን ልዑል እዩ።  ስለዝኾነ ድማ ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቀሱ ዘይመንግስታዊ ትካላት ሓደ ዓይነት ዝኾነ ናይ ዑቕባ መስርሕ ኣብ መላእ ኣውሮጳ ክሳብ ዘይተኣታተወ  ከምዚ ዓይነት ጸገም ከምዝቕጽል ይገልጹ ኣለው።

ቀውሲ ስደተኛታት ፈረንሳ ናብ ጎደናታት ይውሕዝ ምህላው ዘሻቐሎም ዘይመንግስታዊ ትካላት ሓቢሮም

VOAnews Tigrigna -

ቀውሲ ስደተኛታት ፈረንሳ ናብ ጎደናታት ይውሕዝ ምህላው ዘሻቐሎም ዘይመንግስታዊ ትካላት ሓቢሮም ኣብ ከተማ ፓሪስ ፈረንሳ ዝርከቡ ዘይመንግስታዊ ትካላት ቀውሲ ስደተኛታት’ታ ሃገር ናብ ጎደናታት’ታ ከተማ ይውሕዝ ብምህላው ዘለዎም ሻቅሎት ሓቢሮም።

ነጋዶ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዛዕባ ሓድሽ ዝጀመረ ንግዳዊ ንጥፈት ክልቲኣን ሃገራት እንታይ ይብሉ?

VOAnews Tigrigna -

ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽቡ ጽርግያታት ቅድሚ ክልተ ሰሙን ብወግዒ ድሕሪ ምኽፋቶም፡ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ዝግበር ናይ ህዝቢ ንህዝቢ ርክብን ናይ ንግዲ ምልውዋጥን ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናዓዘዘን እናሓየለን ይመጽእ ኣሎ።መርኣያ ናይ’ዚ ከኣ መዓልታዊ ብኣማኢት ዝቑጸራ ህዝብን ኣቕሑትን ዘመላልሳ ዓበይትን ነኣሽቱን ከምኡው’ን ናይ ገዛ ተሽከርከርቲ ካብን ናብን ኤርትራ-ትግራይ ክኣትዋን ክወጽኣን ይረኣያ’ለዋ።ህዝብታት ክልቲኣን ሃገራት’ውን ዓድን ቤተሰብን ንምርኣይ፡ንምዝዋርን ብጻዕቂ ክንቀሳቐሱ ምርኣይ ልሙድ ተርእዮታት ኮይኑ’ሎ። ኣብ ንግዳዊ ንጥፋታት ዝተዋፈሩ ነጋዶ’ውን ዝተፈላለዩ ንመግቢ ዘገልግሉ ሃለኽቲ ነገራት፡ንህንጻን ካልእን ዘገልግሉ ጥረ ነገራት፡ናይ ኤለክትሮኒክስ ናይ ንጽህና ኣቕሑን ንህዝቢ ብምቕራብ ነቲ ንግዳዊ ንጥፈታት ናብ ዝለዓለ ደረጃ ኣብ ምብጻሕ፡ቀረብ ኣብ ምርግጋጽን ዕዳጋ ኣብ ምርግጋእን ኣስተዋጽኦ ይገብሩ ኣለዉ። እዚ ናይ ንግዲ ምልውዋጥ ኣብ ምፍጣር ሽቕለት ወይ ስራሕ ዘይነዓቕ ኣበርክቶ ኣለዎ።ብኣንጻሩ እዚ ንግዳዊ ንጥፈታት ብናይ ክልቲኡ መንግስታት ዘይተማእከለ ብምዃኑ፡ዘይምምጥጣን ሸርፊ ባጤራ ዝፈጠሮ ኣሉታዊ ተጽዕኖ፡ ነጋዶ ካብ ሽያጥ ናይ’ቲ ንብረት ዝረኸብዎ ናቕፋ ወይ ብር ዝቕይሩሉ ቦታን ወግዓዊ ኣስራርሓን ብዘይ ምህላዉ ነቲ ባጤራ ሒዞም ናብ ሃገሮም ክኸዱ ወይ ከኣ ብንብረት ቀይሮሞ ክወስድዎ ይረኣዩ ብምህላዎም፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ንብረት(ኣቕሑ) ዝመጻሉ ቦታ ዝነብር ህዝቢ ናይ ዋጋ ናህሪ ኣብ ርእሲ ምፍጣሩ ንዘይሕጋዊ ንግዲ’ውን በሪ ዝኸፍት ኣካይዳ ከይከውን ዝተፈላለዩ ሰባት ስክፍትኦም ክገልጹ ይስምዑ ኣለዉ ።  ነዚ ንምርግጋጽ ኣብ ኣስመራ መናሃርያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቦታ ኣብ ዝተኸፍተ ግዚያዊ ናይ ዕዳጋ ቦታ ተረኺበ ንናይ ክልቲኣን ሃገራት ነጋዶ  ብዛዕባ’ዚ ሓድሽ ዝተጀመረ ንግዳዊ ንጥፈታት ኣዘራሪብናዮም ኣለና። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።         

ነጋዶ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዛዕባ ሓድሽ ዝጀመረ ንግዳዊ ንጥፈት ክልቲኣን ሃገራት እንታይ ይብሉ?

VOAnews Tigrigna -

ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ተዓጽዩ ዝነበረ መጉዓዝያ ምድሪ ኢትዮ-ኤርትራ ኣብ መጀመርያ ወርሒ መስከረም ምስ ተኸፍተ ብዙሓት ህዝቢን ነጋዶን ካብን ናብን ክልቲኣን ሃገራት ይመላለሱ ኣለው። ከም ውጽኢት ምኽፋት’ቲ ዶብ ድማ ነጋዶ ክልቲኣን ሃገራት ናይ ንግዲ ንጥፈታት ጀሚሮም ኣለው። ኣብ ኣስመራ ኣብ ሓደ ቦታ ግዝያዊ መናሃርያ ናይ ንግዲ ቦታ ኣብምድላው ነጋዶ ንግዳዊ ንጥፈታቶም ዘካይድሉ ቦታ ተዳልዩ ኣሎ። ወኪልና ኣብቲ ቦታ ተረኺቡ ገለ ነጋዶ ኣዘራሪቡ ኣሎ።

“Building national identity is not to be left for one generation only”-Gen Flipos

Shabait -

Building national identity is not to be left for one generation only and that is the responsibility of every generation to develop and nurture it. The comment was made by Gen. Flipos Woldeyohannes, Chief of Staff of the Eritrean Defense Forces, at a seminar he conducted to the members of the 32nd round of the national service in Sawa on 23 September.

 

Asmara, 24 September 2018- Building national identity is not to be left for one generation only and that is the responsibility of every generation to develop and nurture it. The comment was made by Gen. Flipos Woldeyohannes, Chief of Staff of the Eritrean Defense Forces, at a seminar he conducted to the members of the 32nd round of the national service in Sawa on 23 September.

At the seminar, Gen. Flipos gave extensive briefing on the process of building physical and political infrastructures which requires nurturing citizens equipped with education and skills and that preserves the independence and national sovereignty that has been realized through the heavy sacrifice of citizens.

Explaining on the history of nation building process and experiences of other peoples, Gen. Flipos said that ensuring sustainable nation and continuity of generation requires nurturing youth equipped with developed ideas, courage coupled with developed economy and army.

Indicating on the need to build solid political, military, economic, diplomatic and cultural assets, Gen. Flipos called on the youth to diligently combat the external conspiracies that are aimed at hindering the youth from realizing national vision and development drives.

ኤርትራ፣ ‘ማይ ክትሸጡ ተረኺብኩም’ ዝተባህሉ ብገንዘብ ተቐጺዖም

Radio Erena -

Radio Erena: 24 September 2018

     መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝኸፍአ ደረጅኡ በጺሑሉ ዘሎ እዋን፣ ሓያሎ ሰባት፣ ማይ ክትሸጡ ተረኺብኩም ብዝብል ክሲ ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ተበዪኑሎም።

     ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣገልግሎት ማይ ደው ካብ ዝብል ልዕሊ 2 ወርሒ ኣቑጺሩ ከምዘሎ ዝሓበሩ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና፣ ካብ ዲጋታትን ዒላታትን፣ ካብ ካንቸሎታት ዝርከብ ማይ ጨው ከይተረፈ ሸይጥኩም ዝተባህሉ ሰባት እዮም እዞም ብገንዘብ ተቐጺዖም ዘለዉ።

     ዛጊት ተረኺቡ ብዘሎ ሓበሬታ መሰረት እቶም ዝተቐጽዑ ሰባት፣ ካብ 300 ሽሕ ክሳብ 1.5 ሚልዮን ናቕፋ ክኸፍሉ ተበዪኑሎም ኣሎ። ሓያሎ ካብቶም ተቐጺዖም ዘለዉ ሰባት፣ ልዕሊ ዓቕምና ኮይኑ ሓግዙና ብምባል ናብ ህዝቢ ይዞሩ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

ኢትዮጵያ፣ ብምልዕዓል ናዕቢ ዝተኸሰሱ ናብ ፍርዲ ቀሪቦም

Radio Erena -

     Radio Erena: 24 September 2018

     ኣብ ኢትዮጵያ ምስቲ ዓሌታዊ ግጭት ዘስዓቦ ቅልውላው ብዝተኣሳሰር ዝተጠርጠሩ፣ 312 ሰባት ኣብ ፍርዲ ቀሪቦም።

     እቶም ኣብ ቡራዩ ዝርከብ ናይ ወረዳ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝቐረቡሉ፣ ግጭት ክለዓል ጎስጒስኩም፣ ገንዘብ ኣዋፊርኩም፣ ንብረት ብምዕናውን ብምዝማትን ካልእን ዝብል ክስታት ተመስሪቱሎም።

መንግስትን ተቓወምትን ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ካርቱም ተራኺቦም

Radio Erena -

Radio Erena: 24 September 2018

     መንግስትን ተቓወምትን ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ካርቱም ተራኺቦም።

     ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ኣብ ሱዳን ወግዓዊ ምብጻሕ ኣብ ዝፈጸመሉ፣ ምስ መራሕቲ ተቓወምቲ ሓይልታት ክራኸብ ብዝሓተቶ መሰረት፣ ሪክ ማቻር ዝርከቦም ምስ ዝተፈላለዩ ተቓወምቱ ዘትዩ።

ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም

Radio Erena -

Radio Erena: 23 September 2018

     ሓያሎ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ከምዘለዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

 

     እዞም ብሽዱሽተ ላንድ ክሩዘር ዝዓይነተን መካይን ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ዘለዉ ኣባላት ጸጥታ፣ ዝርዝር ኣስማት ናይ ዝደልዩዎም ሰባት ሒዞም ከምዘለዉ’ዩ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ዘመልክት።

 

 

ንኢህወደግ ካብ ዘቖሙ ኣርባዕተ ሰልፍታት ሓደ፣ ኣብ መሪሕነት ዝጸንሑ 14 ኣባላቱ ካብ ስልጣን ኣውሪዱ

Radio Erena -

Radio Erena: 23 September 2018

     ንኢህወደግ ካብ ዘቖሙ ኣርባዕተ ሰልፍታት ሓደ፣ ደሞክራስያዊ ግንባር ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ንሳልስቲ ድሕሪ ዘካየዶ ዋዕላ፣ ኣብ መሪሕነት ዝጸንሑ 14 ኣባላቱ ካብ ስልጣን ኣውሪዱ።

     እቲ ብረቡዕ 19 መስከረም ኣብ ከተማ ጅማ ዝጀመረ ዋዕላ፣ ንዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ከም ኣቦ ወንበር ክሾሞ እንከሎ፣ ስሙ ከኣ ናብ ደሞክራስያዊ ሰልፊ ኦሮሞ ከምዝቐየሮ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን።

ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ማያርዲት፣ ካርቱም ኣትዩ

Radio Erena -

Radio Erena: 23 September 2018

     ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ማያርዲት፣ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ዑደት ንምግባር ካርቱም ኣትዩ።

     ሳልቫ ኪር ኣብ ካርቱም ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፣ ምስ ፕረዚደንት ኣልበሽር ተራኺቡ፣ ብዛዕባ ሓድሽ ስምምዕ ሰላምን ተግባራውነቱን ክዘራረብ ምዃኑ ተገሊጹ።

ارتريا : نحو الاصلاح السياسي أم  تجراي الكبرى  3/3

Awate -

  … تناولت في الحلقة الاولى التغييرات الدراماتيكية في اثيوبيا وكيف انها جذرية ومنتوج شعبي قابلت تطلعات الشعب الاثيوبي وقواه السياسية كما مثلت عهد جديد لكافة المعارضة الاثيوبية فقبلت التغيير وعادت الى بلادها للاسهام في المناخ الديمقراطي الذي اوجدته ثورتهم الشبابية وتراكم نضالاتهم ودماء شهدائهم ، عهد انعتاق جديد بزع في اثيوبيا، يمثل مركز اشعاع …

The post ارتريا : نحو الاصلاح السياسي أم  تجراي الكبرى  3/3 appeared first on Awate.com.

Seminar on prevention of communicable diseases

Shabait -

The Commission of Culture and Sports in cooperation with the Ministry of Health branch in the Central region organized a seminar for youth engaged in cultural and sports activities focusing on prevention of communicable diseases in general and that of HIV/AIDS in particular.

Asmara, 22 September 2018- The Commission of Culture and Sports in cooperation with the Ministry of Health branch in the Central region organized a seminar for youth engaged in cultural and sports activities focusing on prevention of communicable diseases in general and that of HIV/AIDS in particular.

At the seminar that was conducted on 18 September, briefings accompanied by statistical information and video shows were provided on the current situation of communicable diseases and the efforts being exerted at national level to control their prevalence.

The coordinator of communicable diseases prevention at the Ministry of Health branch in the region, Mr. Mehari Woldemicael indicated that owing to the rigorous efforts exerted to raise the awareness of the public the prevalence of communicable diseases has significantly been reduced and that strong effort is being made to reduce their occurrence by 90% in accordance with the global goal 2030.

Mr. Mehari also called on the youth to increase awareness on the causes and consequences of communicable diseases and strengthen participation in the effort to prevent them.

Pages

Subscribe to shekortet.com aggregator - Eritrea