erena.org

Subscribe to erena.org feed
Radio Erythree International
Updated: 46 min 22 sec ago

ኤርትራዊ ዲፕሎማሰኛ ዝመርሖ ጉጅለ፣ ብዛዕባ ዓቃብ ሰላም እማመታት ከቕርብ ብዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ተመዚዙ

Fri, 02/17/2017 - 10:22

Radio Erena: 17 February 2017

Tamrat

ኤርትራዊ ዲፕሎማሰኛ ተኣምራት ሳሙኤል ዝመርሖ ኣካል ሕቡራት ሃገራት፣ ብዛዕባ'ቲ ውድብን ኣብ ምዕቃብ ሰላም ዝጻወቶ ዘሎ ተራን መጽናዕቲ ብምክያድ እማመታት ከቕርብ ብዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጕተረስ ከምዝተመዘዘ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

እዚ ዝተሓበረ፣ ሓድሽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ፣ ንፈረንሳዊ ዲፕሎማሰኛ ዣን ፕየኽ ላክርዋ፣ ሓላፊ ናይቲ ሓደ ካብ ቀንዲ ኣካላት ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ዓቃብ ሰላም ንክኸውን ኣብ ዝመዘዘሉ ዕለት'ዩ።

Categories: Eritrea News

ኣብ ህሉው ኩነታት ዶባት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝዝቲ ዋዕላ ኣብ መቐለ ተኻይዱ

Fri, 02/17/2017 - 10:20

Radio Erena: 17 February 2017

Ethio Sud

ኣብ ህሉው ኩነታት ዶባት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝዝቲ ዋዕላ ካብ 14 ክሳብ 16 ለካቲትኣብ መቐለ ተኻይዱ።

እቲ መበል 18 ስሩዕ ዋዕላ ምዃኑ ዝተነግረ፣ ርክብ ኮሚተ ዶባት ኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ኣብ ከባቢ ዶባት እዘን ሃገራት ብዛዕባ ዘሎ ጉዳይ ጸጥታ፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ፣ ኣቑሑ፣ ንግዲን ሕርሻን ብምትኳር ከምዝዘተየ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ዘተ፣ ካብ ወገን ሱዳን ወከልቲ ዞባታት ገዳርፍ፣ ብሉ ናይል፣ ሰናርን ከሰላን ካብ ወገን ኢትዮጵያ ድማ ወከልቲ ክልላት ቤንሻንጉል ጉምዝን ኣምሓራን ክሳተፉ ምዃኖም ኣመሓዳሪ ዞባ ገዳርፍ ሙርቓኒ ሳልሕ ስዒድ ኣሕመድ ምስ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ኣቐዲሙ ኣብ ዘካየዶ ቃለ- መጠይቕ ገሊጹ።

Categories: Eritrea News

ዓወታት ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ይቕጽል

Thu, 02/16/2017 - 15:35

Radio Erena: 16 February 2017

Cycling23

ብ14 ለካቲት ኣብ ግብጺ ከተማ፣ ሉክሰር ኣብ ዝጀመረ ቅድድም ብሽክለታ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ 2017፣ ኣብ ውድድር ግዜ -ክሮኖሜተር ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ፡ ብክልቲኡ ጾታታት ቀዳመይቲ ብምዃን ወርቂ ዝተሸለመት ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ኣንጸባራቒ ዓወታታ ሎሚ ሓሙስ 16 ለካቲት'ውን ውን ቀጺሉ።

በዚ መሰረት፣ ተቐዳደማቲ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ሜሮን ተሾመን ዓወት ሃብቶምን፡ 41.8 ኪሎ ሜትር ርሕቀት ንዝሸፈነ ውድድር ክሮኖሜትር ሻምፕዮን ኣፍሪቃ፡ ቀዳማይ ሳልሳይን ብምዃን ወርቂን ነሓስን ወኒኖም።

Categories: Eritrea News

መራሒ ሰሜን ኮርያ፣ ንገዛእ ሓዉ ከምዝቀንጸለ ይግለጽ

Thu, 02/16/2017 - 15:30

Radio Erena: 16 February 2017

North Korea

ሓዉ ንመራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ኣብ ማሊዥያ ተሰሚሙ ከምዝሞተ ተገሊጹ።

ኣብ ክሊ ዕድመ 40ታት ዝርከብ ኪም ጆን ናም፣ ብሰኑይ 13 ለካቲት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኳላ ሉምፑር ተሰሚሙ ከምዝሞተ ዘረጋገጸ ክፍሊ ስለያ ደቡብ ኮርያ፣ ጠንቂ ሞቱ፣ ናይ ቅንጸላ ስርሒት ክኸውን ከምዝኽእል ኣንፊቱ።

ክልተ ደቂንስትዮ፣ መርዚ ዝተለበጠ መራፍእ ከምዝወግኦኦ ዝጠቐሳ ካልኦት ምንጭታት ዜና እቲ ዞባ ድማ፣ ሓደ ካብተን ጥርጡራት፣ ናይ ቬትናም መንነት ዘለዋ ጓለነስተይቲ ኣብ ቀይዲ ኣትያ መርመራ ይካየደላ ምህላዉ ሓቢረን።

Categories: Eritrea News

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ደርቂ ልዕሊ 40 ሽሕ ጥሪት ሞይተን

Thu, 02/16/2017 - 15:28

Radio Erena: 16 February 2017

Somali Region

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብፍላይ ድማ ክልል ሶማል ተኸሲቱ ብዘሎ ደርቂ ኣብ ክልተ ዞባታት ጥራይ 40 ሽሕ እንስሳ ዘቤት ከምዝሞቱ፣ ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢራ።

እታ ጋዜጣ ንጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ብምውካስ ብዘቕረበቶ ሓበሬታ መሰረት፣ ኣብ ክልል ሶማል ዞባታት ዳዋን በሊበን 40,861 እንስሳ ዘቤት ከምዝሞታ ተመዝጊበን።

እተን 29,955 ጤለ በጊዕ ክኾና እንከለዋ፣ እተን ዝተረፋ ድማ ከም ኣድጊ፣ ገመልን ዘጠቓለላ እንስሳ ዘቤት'የን።

Categories: Eritrea News

ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ገኒኑ ዘሎ ማሕበረ-ቁጠባዊ ሕሰም፣ ብዝሒ ዘለዎም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኣብ ናይ ጉልበት ስራሕን ልመናን ይዋፈሩ

Wed, 02/15/2017 - 10:37

Radio Erena: 15 February 2017

Underage2

ኣብ ኤርትራ ማሕበረ-ቁጠባዊ ሕሰም፣ ኣብ ህዝቢ ከቢድ ጸቕጢ ፈጢርሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ብዝሒ ዘለዎም ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኣብ ናይ ጉልበት ስራሕን ልመናን ተዋፊሮም ከምዘለዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እዚ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናዛየደ ዝመጽእ ዘሎ፣ ምውፋር ቆልዑ ኣብ ልመናን ናይ ጉልበት ስራሕን፣ ውጽኢት ናይቲ ኣለይቲ ስድራ ዝኾኑ ኣቦታትን መንእሰያትን፣ ናይ ግዜ ገደብ ኣብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ወፍርታት ሚሊሻን ተጸሚዶም ምህላዎም ምዃኑ እቶም ምንጭታት ኣገንዚቦም።

Categories: Eritrea News

ፓርላማ ሶማሊላንድ፣ ሕ/ኢማራት ኣብታ ሃገር ወትሃደራዊ መዓስከት ክትከፍት ብምሉእ ድምጺ ደጊፉ

Wed, 02/15/2017 - 10:35

Radio Erena: 15 February 2017

UAE navy

መንግስቲ ናይታ ካብ ሶማል ተፈልያ ርእሰ ምምሕዳር ኣዊጃ ዘላ ሶማሊላንድ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ገማግም ባሕሩ ወትሃደራዊ መዓስከር ከተቕውም ፈቒዱ።

144 ኣባላት ፓርላማ ናይትታ ርእሰ ምምሕዳር፣ ብሰንበት 12 ለካቲት ኣብ ዘካይድዎ ጽዑቕ ዘተ፣ ነቲ ብሕቡራት ኢማራት ዝቐረበ እማመ ምህናጽ ወትሃደራዊ መዓስከር ከምዝደገፉ ማዕከናት ዜና ካብቲ ከባቢ ኣረጋጊጸን።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማሊላንድ ሳዓድ ዓሊ ሺረ ብዛዕባ'ዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ብሰንኪ'ቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምኽፋት ዘቕረበቶ እማመ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብፍላይ ከኣ ምስ ኢትዮጵያን ጅቡትን ዘሎ ጽቡቕ ዝምድና ክሃስስ ከምዘይደሊ ምሕባሩ ይዝከር።

Categories: Eritrea News

ሃ/ ጋ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ኣብ ውድድር ግዜ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ፡ ብክልቲኡ ጾታታት ቀዳመይቲ ብምዃን ወርቂ ተሸሊማ

Tue, 02/14/2017 - 14:41

Radio Erena: 14 February 2017

Cycling

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ሎሚ ሰሉስ 14 ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ፡ ውድድር ግዜ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ፡ ብክልቲኡ ጾታታት ቀዳመይቲ ብምዃን ተዓዋቲት ወርቂ ሜዳልያ ኮይና።

ኣብ ሰዓታት ረፋድ፡ ተቐዳደምቲ ሞሳና ደበሳይ፡ ወጋሕታ ገብረሂወት፡ ወሓዚት ኪዳነን ብስራት ገብረመስቀል፡ 41.8 ኪሎ ሜትር ንምሽፋን ኣብ ዘገብርኦ ቅድድም፡ ነዚ ርሕቐት ብ1 ሰዓት፡ 1 ደቒቕን 55 ካልኢታትን ብምዝዛም፡ ኣብ 2013 ንዝፈጽምኦ ቕያ ሻምፕዮን ደጊመንኦ።

Categories: Eritrea News

UPDATED: ሃ/ጋ ኤርትራ፣ ኣብ ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ 2017 ትሳተፍ፣ ኣብ ናይ ደቂተባዕትዮን ደቂንስትዮን ክሮኖሜተር ወርቂ ትሽለም

Tue, 02/14/2017 - 13:54

Radio Erena: 14 February 2017

Cycling22

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፣ ሎሚ ሰሉስ 14 ለካቲት ኣብ ዝጅምር ናይ 2017 ውድድር ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ (African Continental Cycling Championships) ትሳተፍ ኣላ።

ብኣሰልጣኒ ሳምሶም ሰለሙን እትእለ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት፡ ኣብ ዝተዛዘመ 57.8 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዝሸፈነ ውድድር ግዜ፡ ብመንገዲ ኣማኑኤል ገብረዝጋብሄር፡ ሜሮን ተሾመ፡ ዓወት ሃብቶምን ሜሮን ኣብርሃምን፡ ቀዳመይቲ ብምውጽእ፡ ንሻብዓይ ዓመት ኣከታቲላ፡ ሻምፕዮን ውድድር ክሮኖሜትር ኣፍሪቃ ኮይና። 

Categories: Eritrea News

ኣውፈርቲ ቀጠር ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ወፍሪ ዕድላት የናድዩ

Tue, 02/14/2017 - 13:49

Radio Erena: 14 February 2017

Qatar Investors

ኣውፈርትን ነጋዶን ቀጠር፣ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ወፍሪ ዕድላት ንምንዳይ ዝዓለመ ዑደት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣካይዶም።

ብዋና ኣካይዲ ስራሕ ናይቲ ብ'ኤዝዳን' ዝፍለጥ ሓደ ካብ ዓበይቲ ኩባንያታት ቀጠር፣ ሸኽ ዶክተር ኻሊድ ቢን ኣልታኒ ዝምራሕ ጉጅለ ኣውፈርትን ነጋዶን፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝጸንሓሉ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳልኝን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ብምርኻብ ኣብ ናይ ወፍሪ ዕድላት ተዘራሪቡ።

ኢትዮጵያ፣ ንኣውፈርትን ነጋዶን ቀጠር ሰፊሕ ዕድላት ክትከፍት ድልውቲ ምህላዋ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብቲ ርክብ ገሊጹ።

Categories: Eritrea News

ጃፓን፣ ካብ 10 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ፣ ሰለስተ ኤርትራውያን ንዝርከብዎም 28 ሰባት ጥራይ ተቐቢላ

Tue, 02/14/2017 - 13:48

Radio Erena: 14 February 2017

Japan

ጃፓን፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዑቕባ ካብ ዝሓተቱ ልዕሊ 10 ሽሕ ስደተኛታት፣ ሰለስተ ኤርትራውያን ንዝርከብዎም 28ሰባት ጥራይ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከምዝሃበት ተገሊጹ።

ሮይተርስ ንጸብጻብ መንግስቲ ጃፓን ብምውካስ ኣብ ዘቕረቦ ሓበሬታ፣ ኣብ ዓመተ 2016 ኣብታ ሃገር 10,901 ሰባት ዑቕባ ከምዝሓተቱ ብምጥቃስ፣ እዚ ብዝሒ'ዚ ምስ ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ብ44 ሚእታዊት ከምዝዛየደ ኣነጺሩ።

ኣብ ዓመተ 2015፣ ሓደ ኤርትራዊ ንዝርከቦም 27 ስደተኛታት ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝሃበት ጃፓን፣ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ድማ ብተመሳሳሊ ሰለስተ ኤርትራውያን ንዝርከብዎም 28 ሰባት ዑቕባ ሂባ ኣላ።

Categories: Eritrea News

ኤርትራውያን ጸሓፍቲ ሃለዋቶም ኣጥፊኣ ዘላ ኤርትራ፣ መበል 180 ዓመት ሞት ሩስያዊ ደራሲ ኣሌክሳንደር ፑሽኪን ዘኪራ

Mon, 02/13/2017 - 10:36

Radio Erena: 13 February 2017

Pushkin

ስነ ጥበባውያንን ጸሓፍትን ብምእሳር ብደረጃ ዓለም ግኑን ስም ኣብ ዘለዋ ኤርትራ፣ መበል 180 ዓመት ሞት ሩስያዊ ደራሲ ኣሌክሳንደር ፑሽኪን ተዘኪሩ።

እቲ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ህግደፍ ዝተረኽብሉ ዝኽሪ፣ ኣብ ማእከል ኣስመራ ኣብ ዝተሃንጸ ሓወልቲ ናይቲ ንዝበዝሐ ህዝቢ ኤርትራ ጓና ዝኾነ ኣሌክሳንደር ፑሽኪን'ዩ ብ10 ለካቲት ተኻይዱ።

Categories: Eritrea News

ስርሒት ፈንቕል ኣብ ዝጽንበለሉ ዘሎ ቅንያት፣ ኣብ ባጽዕን ከባቢኣን ጽዑቕ ግፋ ተኻይዱ

Mon, 02/13/2017 - 10:33

Radio Erena: 13 February 2017

Massawa

መበል 27 ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቕል ኣብ ዝጽንበለሉ ዘሎ ቅንያት፣ ሓይልታት ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ባጽዕን ከባቢኣን ጽዑቕ ግፋ ኣካይዶም።

ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ብዝልኣኽዎ ሓበሬታ መሰረት፣ እቲ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ኣብታ ከተማን ከባቢኣን ክካየድ ዝቐነዩ ጽዑቕ ግፋ፣ ኣዴታትን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ'ውን ለኪሙ ከምዘሎ ኣገንዚቦም።

ወለዲ ናይቶም ዝተገፉ ትሕቲ ዕድሚ፣ ናይ ትምህርቲ ወረቓቕቲ ሒዞም ፈቐዶም ኣብያተ ማእሰርቲ ኮለል ክብሉ ከምዝጸንሑ ዝጠቕሱ እቶም ምንጭታት፣ ገሊኦም ድሕሪ ናይ ሳልስቲ ማእሰርቲ ክፍትሑ እንከለዉ፣ ገሊኦም ግና ክሳብ እዚ እዋን'ዚ ኣይተፈትሑን።

Categories: Eritrea News

ላዕለዎት ወትሃደራውያን ሰበ ስልጣን ኩዌትን ሕ/ኢማራት ዓረብን ኣብ ሱዳን በጺሖም

Mon, 02/13/2017 - 10:32

Radio Erena: 13 February 2017

Kuwait Chief

ሃገራት ዓረብ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ወትሃደራዊ ጽልውአን ንምሕያል ኣብ ዝጽዕራሉ ዘለዋ እዋን፣ ላዕለዎት ወትሃደራውያን ልኡኻት ንግስነት ኩዌትን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብ ሱዳን ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሞም።

ብጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኩዌት፣ ሉተናንት ጀነራል መሓመድ ካልድ ኣልኮሕደር ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ፣ ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ብቀዳምይ 11 ለካቲት ካርቱም ድሕሪ ምእታው ምስ ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ጀነራል ዓዋድ ኢብን ዖውፍን ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሱዳን ሉተናንት ጀነራል ዔማድ ኣል ዲን ሙስጠፋ ዓዳዊን ብምርኻብ ኣብ ጸጥታውን ወትሃደራውይን ኩነታት እቲ ዞባ ዘትዩ።

Categories: Eritrea News

ጽልዋን ውሳኔን ዘይብሉ ካቢኔ ሚኒስተራት ኤርትራ ኣኼባ ኣካይዱ

Fri, 02/10/2017 - 12:03

Radio Erena: 10 February 2017

Cabine MInisters

ኣብ ጉዳያት ኤርትራ ዝኾነ ውሳኔን ጽልዋን ዘይብሉ ካቢኔ ሚኒስተራት ኤርትራ፣ ክልተ ካብ ኣባላቱ ኣብ ዘይተረኽብሉ ኣኼባ ኣካይዱ።

እቲ ካቢኔ ኣብዚ ሳልስቲ'ዚ ኣብ ከተማ ባጽዕ ኣብ ዘካየዶ ናይ ክልተ መዓልታት ኣኼባ፣ ከም ናይ ወትሩ፣ ወረቓቕቲ ስራሕ ሚኒስትርታት ኣቕሪቡን ሰሚዑን ጥራይ'ዩ ተባሂሉ ሓሊፉ።

ኣብ ውሳኔ ወልሓንቲ ስልጣንን ጽልዋን ዘይብሉ ካቢኔ ሚኒስተራት ኤርትራ፣ ብ18 ሚኒስትርታት ዝቖመ እኳ እንተኾነ፣ ሚኒስተራት ጥዕናን ምክልኻልን ኣብዚ ናይ ትማሊ ኣኼባ ኣይተሳተፉን።

Categories: Eritrea News

ኣብ ምርጫ ሶማል፣ ናይ ኣመሪካ ዜግነት ዘለዎ ሓድሽ ፕረዚደንት ተዓዊቱ

Thu, 02/09/2017 - 13:47

Radio Erena: 09 February 2017

NEW Soma PR

ኣብ ሶማል ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ነበረ መሓመድ ዓዱላህ መሓመድ ተዓዊቱ።

ፕረዚደንት ንምምራጽ፣ ብጽኑዕ ኣብ ዝሕሎ፣ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቛድሾ ኣብ ዝርከብ፣ ናይ ሃንገር ኣዳራሽ ካብ ዝተጋብኡ 275 ኣባላት ባይቶ ሶማል፣ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ምርጭኦም፣ 88 ንፕረዚደንት ማሕሙድ ከድምጹ እንከለዉ፣ እቶም 72 ድማ ብ "ፋርማጆ" ንዝፍለጥ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበረን ህቡብ ፖለቲከኛን መሓመድ ዓዱላህ መሓመድ ደጊፎም።

Categories: Eritrea News

ጀርመን፣ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታት ዝተጠርጠረ ኤርትራዊ ናብ ፖሊስ ኢጣልያ ኣረኪባ

Thu, 02/09/2017 - 13:45

Radio Erena: 09 February 2017

Ger to It

ጀርመን፣ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ዝተጠርጠረ ኤርትራዊ ናብ ፖሊስ ኢጣልያ ከምዘረከበት ማዕከናት ዜና ካብ ሮማ ሓቢረን።

እቲ ስሙን ምሉእ መንነቱን ዝተዓቀበ፣ ኤርትራዊ ምዃኑ ዝተገልጸ ሰብ፣ ካብ 2015 ኣትሒዙ ክህደን ዝጸንሐ ምዃኑ ተገሊጹ።

ኢጣልያ ኣብ ሚያዝያ 2015፣ ኣብ ዘካየደቶ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ዝተጠርጠሩ ሰባት ምህዳን ስርሒት፣ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብዎም 24 ሰባት ከምዝቐየደት ይዝከር።

Categories: Eritrea News

ብፕረዚደንት ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ቱርኪ ወግዓዊ ምብጻሕ ይፍጽም

Thu, 02/09/2017 - 13:43

Radio Erena: 09 February 2017

Turkey Ethio

ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ዶክተር ቶሸመ ሙላቱ ኣብ ቱርኪ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም ከምዘሎ ኣገልግሎት ዜና ቱርኪ፣ ኣናዶሉ ሓቢሩ።

ዕላማ ዑደት እቲ ፕረዚደንት፣ ነቲ ኢትዮጵያ ምስ ቱርኪ መስሪታቶ ንዘላ ዝምድና ብዝያዳ ንምትራርኡ ዝዓለመ ምዃኑ እቲ ማዕከን ዜና ጠቒሱ።

ፕረዚደንት ሙላቱ ብ7 ለካቲት ምስ ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይብ ኤርዶጋን ኣብ ዘካየዶ ርክብ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስቲ ኣብ ቱርኪ ዝተኻየደ ዕልዋ ምትእስሳር ዘለወን፣ ኣብ ሃገሩ ዝርከባ ናይ ብሕቲ ማእከላትን ኣብያተ ትምህርቲን ቱርኪ፣ ናብ መንግስቲ ቱርኪ ከረክበን ፍቓደኛ ምዃና ኣረጋጊጹ።

Categories: Eritrea News

ሃ/ድሕነትን ጸጥታን ፣ ኣብ ኩለን ሚኒስትሪታትን ትካላት ህግደፍን ሓድስቲ ተጸናጸንቲ (ናይ እዝኒ) የዋፍር

Wed, 02/08/2017 - 10:38

Radio Erena: 08 February 2017

Ear

ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ኩለን ሚኒስትሪታትን ትካላት መንግስትን ህግደፍን ኣዋፊርዎ ዝጸንሐ ናይ ስለያ መሓውር ብሓድሽ ይትክኦ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እዞም ንመሳርሕቶም ክጸናጸኑን ክስልዩን ብመንግስቲ ዝምልመሉ ዘለዉ ሓድሽቲ ኣባላት፣ ብስም ቤት ትምህርቲ ካድር፣ ናይ ስራሕ ወፍርን መገሻን በብጉጅለ ናብ እምባትካላ፣ ዓላ፣ ናቕፋን ካልኦት ከተማታትን ኤርትራ እናተላኣኹ ስልጠና ይወስዱ ከምዘለዉ እቶም ምንጭታት ይጠቕሱ።

Categories: Eritrea News

ግብጺ፣ ካብ ሩስያ፣ ፈረንሳን ዖማንን ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ንምሽማት ናይ 1 ቢልዮን ዶላር ስምምዕ ከቲማ

Wed, 02/08/2017 - 10:37

Radio Erena: 08 February 2017

Eg Rus

ግብጺ፣ 1 ቢልዮን ዶላር ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ንምሽማት ምስ ሩስያ፣ ፈረንሳን ዖማንን ስምምዕ ከምዝኸተመት ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

እታ ሃገር ምስ ስዑዲ ዓረብ ዝነበራ ናይ ነዳዲ ንግዳዊ ስምምዕ ድሕሪ ምብታኹ፣ ነዳዲን ተፈጥሮኣዊ ጋዝን እትሽምተለን ኣማራጺ ሃገራት ከተናዲ'ያ ጸኒሓ።

ካብ ዒራቕ ዓመታዊ 12 ሚልዮን በርሚል ዘይተጻረ ነዳዲ ንምሽማት ስምምዕ ንምክያድ ውጥን ከምዘሎ ዝገለጸ ሚኒስተር ነዳዲ እታ ሃገር ጣሪቕ ኤል ሞላ፣ ናብ መልክዕ ማይ ዝተቀየረ ተፍጥሮኣዊ ጋዝ (liquefied natural gas) ድማ ካብ ሰለስተ ሃገራት ንምሽማት ሓድሽ ስምምዕ ከምዝኸተመት ኣረጋጊጹ።

Categories: Eritrea News

Pages