Eritrea News

Eritrean People Welcome New Year With Enthusiasm

shabait.com -

The Eritrean people have welcomed the New Year 2017 with anticipation of bright prospects as regards the development drive.

Asmara, 4 January 2017 - The Eritrean people have welcomed the New Year 2017 with anticipation of bright prospects as regards the development drive. This was reflected at the concert held on the eve of the New Year following fireworks display at Harnet Avenue and celebration events at community level in Asmara city center.

The Head of the Holiday’s  Coordinating Committee Office, Mr. Tesfay Berhe, noted that the popular celebration event conducted at Bahti Meskerem Square was characterized with enthusiasm.

Foreign nationals who attended the celebration on their part wished the people and Government of Eritrea a Happy New Year.

Ghost Entourage Accompanies Isaias Afwerki to Abu Dhabi

awate.com -

On January 2, 2017, Isaias Afwerki, the Eritrean president, arrived in Abu Dhabi, and held a meeting with, Crown the United Arab Emirates, Prince Sheikh Mohamed Bin Zayed Al Nahyan, who is also the Deputy Supreme Commander of the UAE Armed Forces. According to UAE news reports, the Abu Dhabi meeting “focused on ways of…

ኣርባዕተ ኤርትራውያን: ኣትላንቲክ ካውንስል ኣብ ዘዳለዎ ኣብ ጽምዶ ኣሜሪካን ኤርትራን ዘተኮረ ዓውደ-ዘተ ይዘራረቡ(2ይ ክፋል)

tigrigna.voanews.com -

ኣትላንቲክ ካውንስል ዝተባህለ ኣመሪካዊ ማእከል ፖሊሲ፡ ዝሓለፈ መጀመርያ ወርሒ ታሕሳስ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኣሜሪካን ዘሎ ኣተሓሳስባን ዝምድና ክልቲኤን ንምምሕያሽ ዘሎ ዕድላትን ዝምልከት፡ ሓሙሽተ ኣሜሪካውያን ምሁራት ፖሊሲ፡ ዓዲሙ ሓደ ዓውደ-ዘተ ኣዳልዩ ኔሩ። ነቲ ዓውደ-ዘተ መሰረት ብምግባር ኣርባዕተ ዝተፈላለየ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኣረኣእያ ዘለዎም ኤርትራውያን ዘተ ኣካይዶም። ነዚ ዘተ ዘካየዱ ጋዜጠኛን ተመራማርን ኤልያስ ኣማረ፡ ጸሓፍን ኣሰናዳእን ገዳብ ኒውስ ሳልሕ ዮኑስ፡  ኣባል መሪሕነት ሃገራዊ ማሕበር ኤርትራውያን ኣሜሪካውያን ኢብራሂም ዓብደኑር፡ ኣባል ተለቪዥን መኣዲ ዘተ ገረንስኤ ኣስፍሃ`ዮም። ካልኣይ ክፋል እቲ ዘተ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ፍልሰተኛታትን ስደተኛታትን ኣፍሪቃ ኣብ ዓመተ 2016

tigrigna.voanews.com -

ዓመተ 2016 ተወዲኡ ዓመተ 2017 ካብ ዝጅመር ቁሩብ መዓልታት ኣቁጺሩሉ ኣብዘሎ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መዓስከር ሕቡራት ሃገራትን ጎረባብቲ ሃገራትን ተዓቒቦም ዘለው ስደተኛታት: እዚ ሓድሽ ዓመት ሕጂ’ውን ካልእ ዓመት ዘይርጉጽነትን ሻቕሎትን እዩ ኾይንዎም ዘሎ።

ላዕለዋይ ፈደራል ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ብተግባር ግብረ ሽበራ ዝተኸሱ 19 ሰባት ናይ ማእሰርቲ ውሳነ ኣሕሊፉ

tigrigna.voanews.com -

ናይ ኢትዮጵያ ላዕለዋይ ፈደራል ቤት ፍርዲ ብተግባር ግብረ ሽበራ ዝተኸሱ 19 ሰባት ካብ ኣርባዕተ ዓመትን ሓሙሽተ ኣዋርሕን ክሳብ ሓሙሽተ ዓመትን ሽዱሽተ ኣዋርሕ ማእሰርቲ ወሲኑ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ሕ/ኢ ዓረብ ዑደት የካይድ

erena.org -

Radio Erena: 03 Januray 2016

Presi in UAE

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ብሰኑይ 2 ጥሪ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከምዝኣተወ ማዕከናት ዜና ዓረብ ሓቢረን።

እቲ ፕረዚደንት ምስ ወራስ ዓራት ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ብምርኻብ ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ከምዝተዘራረበ'ውን ገሊጸን።

ኣብ ስዊዘርላንድ፣ ልዕሊ 8 ሽሕ ሓተቲ ዑቕባ ተሰዊሮም

erena.org -

Radio Erena: 03 January 2017

Swiss Migrants

ኣብ ዓመተ 2016 ዑቕባ ንምሕታት ዝተመዝገቡ 800 ኤርትራውያን ዝርከብዎም 8166 ሰባት ፣ ንመንግስቲ ስዊዘርላንድ ከይሓበሩ፣ ካብቲ መስርሕ ከምዝወጹ ቤት ጽሕፈት ኢምግሬሽን እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እዞም፣ ካብ መስርሕ ምሕታት ዑቕባ ዝተሰወሩ ሰባት፣ ገሊኦም ዑቕባ ከምዘይወሃቦም ስለዝጠርጠሩ ገሊኦም ድማ ስድራቤታቶም ናብ ዝርከብሉ ሃገራት ዝገዓዙ ክኾኑ ከምዝኽእሉ፣ ኣፈኛ እቲ ቤት ጽሕፈት ማርቲን ሬሽሊን ንኣገልግሎት ዜና ATS ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ የመልክት።

ኢትዮጵያ፣ ኣባል ባይቶ ጸጥታ ኮይና

erena.org -

Radio Erena: 03 January 2017

Ethio UNSC

ኢትዮጵያ፣ ሓንቲ ካብተን 10 ዘይቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ምዃና ካብ ሕቡራት ሃገራት ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

እታ ሃገር ምስ ኢጣልያ፣ ሽወደን ቦሊቭያን ካዛኪስታንን ብምዃን'ያ መንበር ባይቶ ጸጥታ ተረኪባ ዘላ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብሓሙሽተ ቀወምቲ ኣባላት ሃገራት ማለት፣ ኣመሪካ፣ ብሪጣንያ፣ ፈረንሳ፣ ቻይናን ሩስያን ዝቖመ ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ዝቀያየራ 10 ዘይቀወምቲ ኣባላት ሃገራት ድማ ኣለዎ።

ስዑዲ ዓረብ፣ 10 ሽሕ ሶማላውያን ንስራሕ ክትቆጽር ትዳሎ

erena.org -

Radio Erena: 03 January 2017

Somali workers

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ 10 ሽሕ ሶማላውያን ንስራሕ ክትቆጽር፣ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ትዘራረብ ከምዘላ ኣል ኢቕቲሳድያ ዝተባህለት ጋዜጣ ስዑዲ ሓቢራ።

እታ ጋዜጣ ብዘቕረበቶ ጸብጻብ መሰረት፣ እቶም ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝግዕዙ 10 ሽሕ ሶማላውያን፣ መብዛሕቶም ኣብ ናይ ገዛ ዕዮን ምምራሕ መኪናን ክዋፈሩ'ዮም።

ነዚ ንምስላጥን ሓድሽ ናይ ስምምዕ ሕግታት ንምጽፋፍን፣ ሚኒስትሪ ዕዮ ሶማል ዝመርሖ ልኡኽ ናብ ስዑዲ ዓረብ ከምርሕ ምዃኑ ጋልፍ ኒውስ ገሊጹ።

ሱዳን፣ ሓድሽ ምምሕዳር መንግስቲ ኣብ ሓድሽ ዓመት

erena.org -

Radio Erena: 02 January 2017

Sudan PM

ሱዳን፣ ሓድሽ ምምሕዳር መንግስቲ ከተቕውም ምዃና ተሓጋጋዚ ፕረዚደንት ሱዳን ኢብራሂም ማሕሙድ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ተሓጋጋዚ ኣብ መግለጺኡ፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር ካብ 10 ጥሪ 2016 ኣትሒዙ ሓድሽ ምምሕዳር መንግስቲ ከቕውም ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ኣብዚ ዝቐውም ሓድሽ ስርዓት ቀዳማይ ሚኒስተር ክህሉ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብ ሱዳን፣ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፣ ሓያሎ ፖለቲካውያን ሰልፍታትን ተቓወምቲ ሓይልታትን ዝተሳተፍዎ ሃገራዊ ዘተ ድሕሪ ምክያዱ'ዩ፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ዘለዎ ሓድሽ ምምሕዳር መንግስቲ ክቐውም ምዃኑ ዝሕብር ዘሎ።

ግብጺ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ክልተ ደሴታት ንስዑዲ ክወሃባ ወሲና

erena.org -

Radio Erena: 02 January 2017

Islands

መንግስቲ ግብጺ፣ ኣብ ትሕቲኡ ክመሓደራ ዝጸንሓ ክልተ ደሴታት ቀይሕ ባሕሪ ኣካል ግዝኣት ስዑዲ ዓረብ ክኾና ድሕሪ ዘሕለፎ ውሳነ፣ ንትግባረ ናብ ፓርላማ እታ ሃገር ከምዘመሓላለፎ መደበር ቴሌቪዥን እታ ሃገር ሓቢሩ።

ቲራንን ሳናፊርን ዝተባህለ ኣብ ትሕቲ ግብጺ ክመሓደራ ዝጸንሓ ክልተ ደሴታት ቀይሕ ባሕሪ፣ ናብ ስዑዲ ዓረብ ክምለሳ ዝብል እማመ ዝቐረበ፣ ግብጽን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ወርሒ ሚዝያያ ናይ 2016 ኣብ ዝኸተምኦ ስምምዕ'ዩ።

እንተኾነ፣ እተን ዴሴታት ልኡላዊ ኣካል ግብጺየን ብምብል ሓያሎ ፖለቲከኛታትን እታ ሃገር ድሕሪ ዘልዓልዎ ሕቶታት፣ ላዕለዋይ ምምሕዳራዊ ቤት ፍርዲ ግብጺ ነቲ ስምምዕ ነጺግዎ'ዩ ጸኒሑ።

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ንናይ ሰላም ዝርርብ ጻውዒት ኣቕሪቡ

tigrigna.voanews.com -

መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ድሕሪ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ ኹናት ሰላምን ምርግጋእን ክመጽእ ድልየት ከምዘለዎ ገሊጹ። ብተወሳኺ መንግስቲ ኣብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተጀመረ ዝርርብ ሰላም ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ’ሎ።

ብኣማኢት ዝቑጸሩ ፍልሰተኛታት ዶብ ስጳኛ ሰጊሮም ንምእታው ፈቲኖም

tigrigna.voanews.com -

ብውሑዱ 800 ዝኾነ ዜጋታት ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝኾኑ ፍልሰተኛታት ኣብ መንጎ ሞሮኮን ኣብ ወሰናስን ሰሜናዊ ኣፍሪቃ ትርኸብ ከተማ ስጳኛ ሱዩታ ንዘሎ ናይ ዶብ ሓጹር ደፊኦም ንምእታው ኣብ ዝፈተንሉ ምስ ፖሊስ ምግጫዎምን ኣብቲ ግጭት ሓሙሽተ ስጳኛዊያን 50 ሞሮክያዊያን ፖሊስ ከምዝቆሰሉ ተገሊጹ።

ተለወጢ አባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኾይነን ዝተመርጻ ሃገራት አባልነተን ብወግዒ ተረኺበን

tigrigna.voanews.com -

ተለወጢ አባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኾይነን ዝተመርጻ ኢትዮጵያ ፡ ጣልያን፡ ካዛኪስታን፡ ሽወደንን ቦሊቭያን ሎሚ ብወግዒ ኣባልነተን ከምዝተረኸባ ተገሊጹ።

ፕረዝደንት ኢሰያስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንዝቐጸለ ዘይፍትሓዊ ዝበልዎ ተግባር ዳግም ትኹረት ክግበረሉ ጸዊዖም

tigrigna.voanews.com -

ናይ ኤርትራ ፕረዝደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ናብ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንዝቐጸለ ዘይፍትሓዊ ዝበልዎ ተግባር ዳግም ትኹረት ክገብረሉ ጸዊዖም።

Pages

Subscribe to shekortet.com aggregator - Eritrea News