Eritrea News

ስደተኛታት ብኢትዮጵያ ናብ ዓዲ ጣልያን ዝሰግርሉ መተሓላለፊ መስመር

tigrigna.voanews.com -

 መግስቲ ኢጣልያ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ሶማልያውያንን ደቡብ ሱዳናውያንን ስደተኛታት፡ መስርሕ መተሓላለፊ መንገዲ ንምኽፋት፡ ምስ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያንን ምስ ሓደ ከባቢያዊ ገባሪ-ሰናይ ትካልን ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐ ተሓቢሩ። ‘እቲ ዝኽፈት መንገዲ ስደተኛታት፣ ነቶም ናብ ዓዲ ጣልያን ብሕጋዊ ኣገባብ ዝኣትው ሰባት፣ መሰል ዜግነት ንክዋሃቦም’ውን መገዲ ዘጣጥሕ’ዩ’ ትብል ናይ ሮም ኣቀባሊትና ጆሴፍን ማኪና። እዚ ከም’ዚ’ሉ ከሎ፣ በዝሒ በይኖም ኮይኖም ድዮም ካብ ቤተ-ሰቦም ተፈላልዮም ናብ ዓዲ ጣልያን ዓሚ ዝሰገሩ ቆልዑ ኣዝዩ ንሂሩ’ሎ። ‘በዝሒ ናብ ዓዲ ጣልያን ዝኣተው ኣላዪ ዘይብሎምን ካብ ቤተሰቦም ዝተፈላለዩን ቆልዑ ብዕጽፊ ወሲኹ ኣሎ። ብቀንዱ ካብ ሙሉእ ኣፍሪቃ፣ መብዛሕተኦም ግና ካብ ኤርትራ፣ ግብጺ፣ ጋምቢያን ናይጀርያን ከምዝኾኑ’...

ጸብጻብ ሁማን ራይትስ ዎች- ኤርትራን ኢትዮጵያን

tigrigna.voanews.com -

ጉጅለ ተሓላቂ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመተ 2016 ሃገራት ንዝነበረን ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ኣብ ዝወጽኦ ዓመታዊ ሪፖርት ኣብ ኢትዮጵያ ተራእዩ ዝበሎ ቅልውላው ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ መባእታዊ መሰላት ገዲባ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰልፈኛታት ዝኸፈተቶ ደም ምፍሳስ ዓፈናን ቀጺላ’ላ ኢሉ’ሎ። ዜጋታት ኤርትራ ኸአ ድሕሪ 25 ዓመታት ገና ኣብ ትሕቲ ሓደ ካብቶም ናይ ዓለምና ጨቆንቲ ዝኾኑ መንግስታት ይግዛእ’ሎ ኢሉ’ሎ። ጸብጻብ ሁማን ራይትስ ዎች ኢትዮጵያ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ካብ ትእውጅ ንደሓር ኣብዚ እዋን መባእታዊ መሰላት ብምግዳብ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰልፈኛታት ዝኸፈተቶ ደም ምፍሳስ ዓፈና ቀጺላትሉ’ላ ኢሉ’ሎ። ብተወሳኺ እቲ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ብዘፈቀደ ምእሳር ይፈቕድ፡ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ይግድብ ምስ ናይ ወጻኢ...

ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያ፣ህፁፅ ኣዋጅ፣ብዕምቀት ምህዳስ፣ምሽግሻግን ምብራርን ሰበስልጣን መንግስቲ(ክትዕ) - 1ይ ኽፋል

tigrigna.voanews.com -

ኢትዮጵያ ሎሚ ዘላትሉ ኩነታት ርእይትኦም ክህቡ ዝተሓተቱ ጋዜጠኛ ኣታኽልቲ እምባየ፣ኣቶ ኣማኑኤል ገብረትንሳኤን ኣቶ ኣብርሃ ሃይለዝጊን ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ኣለዎም።  ቅድም ክብል ዋና ኣዘናዳኢ ጋዜጣ ወይን ዝነበረን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ከተማ መቐለ ‘ፍኖተ ትንሳኤ ናይ ሚዲያን ሕትመትን ኤጀንሲ’ ዝብል ትካል ኣጣይሹ ‘ፍኖተ ሰሜን’ ዘርእስታ ወርሓዊት መፅሄት ዘሐትም ዘሎ  ዜጠኛ ኣታኽልቲ እምባየ መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ሰናይ ምሕደራ እዩ ኣብ ዝብል ተመሳሳሊ ኣረዳድኣን ገምጋምን ዋላ እንተሃለዎም እውን ኣብ ኣፈታትሓ ግን ክፍተት ኣሎ ይብል። "ብህፁፅ ኣዋጅ ግዜ ሃገር ክተመሓድር ኣይትኽእልን" ዝበለ ጋዜጠኛ ኣታኽልቲ ቅድሚ ኩሉ ንህፁፅ ኣዋጅ ምኽንያት ዝኾነ ናይ ግዕዝይናን ፀገም ሰናይ ምሕደራን ኔት ዎርክ ወይ...

ሩስያ ናብ ሓባራዊ ስምምዕ ዘእተወ ውልቃዊ ሓበሬታ ረኺባ'ያ ንዝብል ምሩጽ ፕረዝደንት ትራምፕ ነጺጎምዎ

tigrigna.voanews.com -

ሩስያ ኣብ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ምትእትታው ከምዝገበረት ንመጀመርያ ግዜ ዝአመኑ ምሩጽ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ሩስያ ናብ ስምምዕ ዘእተወ ውልቃውን ፋይናንሳዊን ሓበሬታ ዶናልድ ትራምፕ ኔርዎ ንዝብል ሪፖርት ግን ሓሶት’ዪ ኢሎም ኣለው። ምሩጽ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ረቡዕ ንመጀመርያ ጊዜ ካብ ዝምረጹ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሩስያ ናብ ሓባራዊ ስምምዕ ዘእተወ ውልቃዊ ሓበሬታ ረኺባ ንዝብል ዘይጭቡጥ ሓበሬታ ስለያ’ዩ ክብሉ ነጺጎምዎ’ለው። ምሩጽ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ንምትእትታው ሩስያ ኣብ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ብምእማን ምስ ፕረዝደንት ሩስያ ብላዲምር ፑቲን ምሕዝነት ምምሕያሽ ግን ጸጋ ምበር ጌጋ ክውሰድ የብሉን ኢሎም። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ  ምስማዕ ይክኣል።  

‘ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ኣብ ኢትዮጵያ ውጽኢታዊ ኮይኑ’ ኢሎም ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ

tigrigna.voanews.com -

‘ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ዘይምርግጋእ፣ ኣብ’ታ ሃገር ጽኑዕ ስርዓት ከምዘሎ ዝሓበረ ኣጋጣሚ ኮይኑ’ዩ ሓሊፉ’ ኢሎም ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ። 'ሓይልታት ጸረ ሰላምን ገለ ጸላእቲ ኢትዮጵያን፣ መንግስቲ ሻዕቢያን ሓሻኽሩን፣ እዛ ሃገር’ዚኣ ካብ’ዚ ሃዋሁ’ዚ እንተምሊጣ፣ ካልኣይ ኣይነርክበላን ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ፣ ዘሎን ዘየሎን ሓይሎም ተጠቂሞም’ዮም’ ኢሎም። እቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ህውከት ሻቅሎት ፈጢሩ ነይሩ እንተኾነ ኣብ’ታ ሃገር ጽኑዕ ስርዓት ተሃኒጹ ከምዘሎ ኣርእዩ’ዩ ሓሊፉ’ውን ኢሎም ኣቶ ኃይለማርያም ደሳለኝ፣ ‘ይትረፍ’ዶ ናብ ዓድና ዝገየሹ፣ ንሕና ባዕልና’ውን ሰጊእና ነይርና ኢና። እንተኾነ እቲ ጸገም ዘረጋገጾ ሓደ ነገር፣ ጽኑዕ መንግስቲን ህዝቢን ኣብ ኢትዮጵያ ከምዘሎን ማሕበረ ሰብ ዓለም ንፈለማ ጊዜ ኣብ ኢትዮጵያ ጽኑዕ ስርዓት ምህላው ንካልኣይ...

ኣዛዚ ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ሱዳን ኣብ ኤርትራ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ

erena.org -

Radio Erena: 12 January 2017

Sudan Secu

ኣዛዚ ጸጥትን ሃገራዊ ድሕነትን ሱዳን፣ ጅነራል መሓመድ ዓጣ ኣልመውላ ዓባስ፣ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ብምፍጻም ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ክልትኣዊ ጸጥታዊ ጉዳያት ከምዝተዘራረበ ምንጭታት ሓቢሮም።

እቲ ጀነራል፣ ኣብዚ ሳልስቲ'ዚ ኣስመራ ኣብ ዝበጽሓሉ ካብ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ዝተላእከ ደብዳቤ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብጺሑ።

ኣርባዕተ ኤርትራውያን: ኣትላንቲክ ካውንስል ኣብ ዘዳለዎ ጽምዶ ኣሜሪካን ኤርትራን ይዘራረቡ

tigrigna.voanews.com -

ኣትላንቲክ ካውንስል ዝተባህለ ኣመሪካዊ ማእከል ፖሊሲ፡ ኣብ መጀመርያ ወርሒ ታሕሳስ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኣሜሪካን ዘሎ ኣተሓሳስባን ዝምድና ክልቲኤን ንምምሕያሽ ዘሎ ዕድላትን ዝምልከት፡ ሓሙሽተ ኣሜሪካውያን ምሁራት ፖሊሲ ዓዲሙ ሓደ ዓውደ-ዘተ ኣዳልዩ ኔሩ።

ጉባኤ ሃይማኖታዊ መራሕቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉባኤ ዝተላዕለ ሓሳባት ናብ መንግስቲ ንምቅራብ ብምስምማዕ ተዛዚሙ

tigrigna.voanews.com -

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣዳራሽ ማእከል ሕቡራት ሃገራት ዝተኻየደ ናይ ኢትዮጵያ ሃይማኖታዊ መራሕቲ ጉባኤ ኣብ ኢትዮጵያ ክፍጠር ኣብ ዘለዎ ዕርቀ ሰላም ንክልተ መዓልታት ዝዘተየ ኽከውን ኸሎ ነቲ ኣብቲ ጉባኤ ዝተላዕለ ሓሳባት ናብ መንግስቲ ንምቅራብ ብምስምማዕ ትማሊ ኣማስይኡ ተዛዚሙ’ሎ። እቲ ዝቀረበ ሓሳባት ኣብ ልዕሊ’ቶም መበገሲ ጸገማትን መፍትሒኦምን ዘተኾረ ምዃኑ ካብቶም መበገሲ ጸገማት ዝተባህለ ጉድለት ሰማይ ምሕደራ፡ ምድንጓይ ፍትሕ፡ ዘይፍትሓዊ ክፍፍል ሃብቲን ብልሽውና ቀንዲ መበገሲ’ቲ ጎንጺ’ዮም ይብሉ መጋቢ ዘሪሁን። ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።  

Timely implementation of development programs

shabait.com -

The administrator of the port city of Massawa Mr. Kidane Weldeselasie indicated that the charted out development programs have been fully implemented with strong participation of the public and stakeholders.

Massawa, 12 January 2017- The administrator of the port city of Massawa Mr. Kidane Weldeselasie indicated that the charted out development programs have been fully implemented with strong participation of the public and stakeholders.

At an assessment meeting conducted on 11 January, Mr. Kidane reported that the development programs implemented include social service provision, infrastructure, potable water supply as well as planting tree seedlings.

According to the report presented in the meeting, a number of development programs such as successful agricultural activities in the administrative areas of Imberemi, Hirgigo and Dogali, regrouping of villages, allocation of farm land to 800 farmers in Dogali as well as Mangrove trees planting at the Red Sea coastal area among others have been accomplished.

It was also reported that effort is being exerted to lay 30 kilometers of pipeline from Dogali to Massawa in a bid to alleviate potable water shortage of Massawa city.

Mr. Kidane further indicated that human resources and social services development, proper tax collection as well as prioritizing development programs are activities for 2017.

Emahimet: death at delivery on decline

shabait.com -

Health professionals explained that thanks to the sustainable awareness raising programs death at delivery in Emahimet, Qarora sub-zone is significantly declining.

Emahimet, 12 January 2017- Health professionals explained that thanks to the sustainable awareness raising programs death at delivery in Emahimet, Qarora sub-zone is significantly declining.

They also pointed out that owing to the strong participation of the public in implementing the guidelines and advice from experts the prevalence of communicable diseases is on the decline.

The health professionals further indicated that the pregnant women are strictly following the procedure that they visit health facilities at least four times until delivery and that is the basis for the success story.

ኢጣልያ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ኣብ ሊብያ ኤምባሲ ትኸፍት

erena.org -

Radio Erena: 12 January 2017

Italian Embassy

ኢጣልያ፣ ከም ኣካል ናይቲ ምስ ሊብያ እተካይዶ ዘላ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ዝዓለመ ስምምዓት፣ ካብ 9 ጥሪ ኣትሒዛ ኣብ ትሪፖሊ ኤምባሲ ትኸፍት ምህላዋ ተሓቢሩ።

ነዚ ዘረጋገጸ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ፣ ኣንጀሊኖ ኣልፋኖ፣ ሃገሩ፣ ነቲ ሊብያ ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ማእከላይ ባሕሪ ንምቁጽጻር እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ፣ ብሓባር ክምክትኦ ምዃነን ኣስሚርሉ።

ሚኒስተራት ምክልኻል ሱዳን፣ ቀጠርን ቱርኪን ኣብ ካርቱም ይዝትዩ

erena.org -

Radio Erena: 12 January 2017

Qatar Sud Tur

ሚኒስተራት ምክልኻል ሱዳን፣ ቀጠርን ቱርኪን ኣብ ካርቱም ሓባራዊ ዘተ ከምዘካየዱ ኣገልግሎት ዜና ቱርኪ፣ ኣናዶሉ ሓቢሩ።

እቶም ሚኒስተራት ካብ 8 ክሳብ 10 ጥሪ ኣብ ካርቱም፣ ኣብ ዝጸንሕሉ፣ ጎኒ ጎኒ'ቲ ዞባዊ ኣህጉራዊን ወትሃደራዊን ኩነታት ብምግምጋም ዘካየድዎ ምይይጥ፣ ኣብ መንጎ ሰለስተ ሃገራት ብዛዕባ ዝህሉ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ'ውን ዘትዮም።

ንሳቶም ኣብ ካርቱም ኣብ ዝጸንሕሉ፣ ኣብ ከተማ ካርቱም ዝተመረቐ ወትሃደራዊ ልብሲ ዘፍሪ ሓድሽ ፋብሪካ ተዓዚቦም።

ንኢትዮጵያን ጅቡትን ዘራኽብ መንገዲ ባቡር ተዛዚሙ

erena.org -

Radio Erena: 12 January 2017

Ethio Dj

ንኢትዮጵያን ጅቡትን ዘራኽብ መንገዲ ባቡር ምሉእ ብምሉእ ተዛዚሙ።

እዚ ብቻይናዊ ኩባንያ ክህነጽ ዝጸንሐ ንከተማ ኣዲስ ኣበባን ወደብ ጅቡትን ዘራኽብ 752 ኪሎሜተር ዝንውሓቱ መንገዲ ባቡር፣ ካብ መወዳእታ ዕለታት ናይዚ ወርሒ'ዚ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያን ጽዕነት ካርጎን ኣገልግሎት ክጅምር ትጽቢት ይግበረሉ።

እቲ 4.2 ቢልዮን ዶላር ከምዝወደአ ዝንገረሉ ዘሎ፣ ዘመናዊ ናይ ኤልክትሪክ መንገዲ ባቡር፣ ብ10 ጥሪ ኣብ ጅቡቲ መዓርፎ ባቡር- ነገድ ብወግዒ ኣብ ዝተመረቐሉ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያን ፕረዚደንት ጅቡቲን ዝርከብዎም ሓያሎ ሰበ ስልጣናት ክልትኤን ሃገራት ተረኺቦም።

Pages

Subscribe to shekortet.com aggregator - Eritrea News